Friday , May 10 2024

ዜና መጽሄት

ሽግር ኣባይቲ ሽወደን ሕጂ’ውን ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ።

ልዕዒ ክልተ ሲሶ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝለወን፡ ብፍላይ ድማ ሓደስቲ መጻእቲ ኣባይቲ ንምርካብ ከም ዝሽገሩ፡ ሃገራዊ ቦርድ ኣባይቲ ውጥንን ህንጻን ሽወደን ኣብ ቀረባ ኣዋን ዘሳለጦ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ሬድዮ ሽወደን፡ ኣብ ቦርድ ምምሕዳር Västra Götaland ሰራሕተኛ ክፍሊ ኣሃዱ ስደተኛታትን ምውህሃድን፡ ከምኡ’ውን ኣካያዲት ናይቲ ኣብ ምድላይ ኣባይቲ ምኽሪ ዝህብ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነት፡ ፒያ ሰቨሪንሰን ቃለ ምሐትት ኣካዪዳ …

Read More »

ዜና መጽሄት 17022022 ብዛዕባ ሓድሽ ሕጊ ምስጓግ ወጻእተኛታት ከምኡውን ብዛዕባ ቆልዑት ንምንታይ ብሶሻል ይውሰዱ ዝብል አርእስቲ ነቅርበልኩም።

Read More »

ግብጺ ምስ ጅቡቲ ዘለዋ ዝምድና ከተደልድል እያ።

ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ምስ ጅቡቲ ዘለዎ ዝምድና ንምድልዳልን ኢትዮጵያ ኣብ ገምግም ሩባ ኒል ብዛዕባ እትሃንጾ ዘላ ኣዘራራቢ ሓጽቢ ሚለንዬምን ንምዝታይን፡ ትማል ሰኑይ ን ፕረሲደንት ጅቡቲ ዑመር ገሌ ከም ዝዓደሞ ተፈሊጡ። እዚ  ፕረሲደንት ዑመር ገሌ ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ፡ ግብረመልሲ ናይቲ ኣልሲሲ ዓሚ ዝገብሮ ኣብ ጅቡቲ ዘካየዶ ታሪኻዊ ዑደት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣልሲሲ ናብታ ኣብ 1977 ናጻ ዝወጸት ጅቡቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ …

Read More »

ሾልዝ ምስ ጆ ባይደን ተራኺቡ።

ጀርመን ኣብ ጒዳይ ቅልውላው ዩክሬይን ን ተጻብኦታት ሩስያ ከም እትዂንንን ምስ ኣመሪካን ኔቶን ከም እትቐውምን ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ን ጆ ባይደን ኣረጋጊጹሉ። ሩስያ ናብ ዶብ ዩክሬይን 100 ሽሕ ዝኸውን ሰራዊት ምጽግዓ ፈጢርዎ ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ ቻንስለር ምስ ጆ ባይደን ስፍሕ ዝበለ ዘተ ኣካዪዱ’ሎ። “ዩክሬይን ብኸምዚ ኣገባብ ብሩስያ ምፍርራህ ክወርዳ እናረኣና ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፡ ተጻብኦ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን …

Read More »

ኣብ ቬስትሮስ ዕጡቓት ጒሒላታት ቤት ትምህርቲ ራስዮም።

ፖሊስ ሽወደን ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ቫስትራስ ኣትዮም ብስሕለት ተማህሮ ብምፍርራህ ኮምፕዩተራት ዝሰረቚ ኽልተ ዕጡቓት ጒሒላታት ኣብ ምህዳን ከም ዝርከቡ ገሊጾም። ትማል ሰኑይ ሰዓት 1:36 ድሕሪ ቀትሪ ካብ ከባቢ ቫስትራስ Rudbeckianska ጒሒላታት ኮምፕዩተራት ሰሪኦም ኣብቲ ቦታ ከም ዝሃደሙ መጸዋዕታ ከም ዝመጾም ፖሊስ ሓቢሮም ኣለዉ። እቶም ጒሒላታት ስሕለት ተጠቒሞም ተመሃሮ ብምፍርራህ ነተን ኦምፕዩተራት ምስ ሰረቑ መማህራን እናጓየዩዎም ካብቲ ቦታ ከም እተሰወሩ ጋዜጣ …

Read More »

ኖርዌይ ኣብ ልዕሊ ተስጐጒቲ ግዱድ ክትባት ክትገብር እያ።

መንግስቲ ኖርዌይ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ሃገሩ ዝሰጐም ሰባት ግዱድ ክትባት ኮሮና ከተኣትታቱ ከም ዝኽእል መንግስቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዞም ብመሰረት ኣዋጅ ኢሚግሬሽን ምስጓጒን ፍቓድ ምቕያድን ካብ ኖርዌይ ናብ ዓዶም ዝጥረዙ ሰባት ተኸቲቦም እንተኾይኖም ክሕተቱ ወይ ግዱድ ክታበት ኮቪድ-19 ክገብሩ ክግደዱ ይኽእሉ እዮም። “ካብ ኖርዌይ ክስጐጒ እተወሰነሉ ወጻእተኛ ኣይክተብን እየ ብምባል ነቲ መስርሕ ክዕንቅፍ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ …

Read More »

ሽወደን ዓቕሚ ጸዓት ኑክሌር ከተስፍሕ ይግባኣ ተባሂሉ።

ኣርባዕተ የማናውያን ተቓወምቲ ሰልፊታት ሽወደን እታ ሃገር ቀረብ ፍርያት ኤለትሪክ ንምውሳኽ ዓቕሚ ኑክሌራዊ ጸዓታ ክተስፍሕ ከም ዝግባኣ ገሊጸን።. ትማል ሰኑይ ኣብ ጋዜጣ ስቨንስካ ዳግብላዴት ኣብ ዝውጽእዎ ጽሑፍ፡ እዞም መራሕቲ ሰልፊታት፡ ሽወደን ካብ ባህርያዊ ምንጪ ጸዓት ንምግልጋል ተወሰኽቲ መመንጨዊ መንጣጠፍያ (ሪኣክተራት) ኑክሌራዊ ጸዓት ከተማዕብል ከም ዝግባኣ ገሊጸን ኣለዋ። 60% ካብ ጠቕላላ ፍርያት ኤለትሪክ ሽወደን ካብ ተሓዳሲ ምንጪ ጸዓት ከም ዝርከብ ዝገለጹ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኖርዲክ ዝጸንሐ መምርሒታት ኣልዒላ።

ሽወደን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኖርዲክ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣባላት ቊጠባዊ መሻርኽቲ ኣውሮጳን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ኣገዳ ከተልዕሎ ምዃና መንግስቲ ሽወደን ትማል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ። በዚ ድማ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ኣትሒዞም ካብዘን ሃገራት ናብ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ ክትባት ጸረ ኮቪድ-19 ምውሳዶም ይዂን ካብቲ ሕማም ነጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምስክር ምቕራብ ኣይከድልዮምን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ እገዳ ካብዘን …

Read More »

213 ሽሕ ክሮና ናብ ግጉይ ሕሳብ ይኣቱ።

213 ሽሕ ክሮና ሽወደን ብጌጋ ናብ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎ ሕሳብ ካልእ ሰብ ክኣቱ እኳ እንተተገብረ እቲ በዓል ሕሳብ ነዚ ገንዘብ ከረክብ ፍቕደኛ ብዘይምዃኑ ኣብ ቤትፍርዲ ኣውራጃ Sydöstran ፍርዱ ከም እተቐበለ ይግለጽ ኣሎ። ሓቀኛ ወናኒ እቲ ሕሳብ ካርልሻምንስቦን ነቲ ብጌጋ ነቲ ገንዘብ ዝኣተወሉ ሰብ ረኺቡ ክላዘቦ እኳ እንተፈተነ እቲ ሰብ ግና ከምዚ ዝበለ ገንዘብ ዘይምቕባሉ ብምግላጽ ዳግማይ ክድውለሉ ከም ዘይደሊ ቊርጺ …

Read More »

ኣብ 60ታት እትርከብ ሰበይቲ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሳ

ኣብ ክሊ ዕድመ 60ታት እትርከብ ሰበይቲ 70ታት ንዝዕድሜኡ ሰብኣይ ክትቀትል ድሕሪ ምፍታና ተኸሲሳ። በዚ ፈተነ ቅትለት ብተደጋጋሚ ብስሕለት እተወግአ ሽማግለ ናብ ሆስፒታል ሃውክላንድ ክውሰድ ተጊሩ’ሎ። እታ ሽማግለ ነዚ ተግባር ፈጺመ ኣይወዓልኲዎን ክትብል ናይ ክሕደት ቃላ ሂባ’ላ።. እዚ ፍጻመ ኣብ ብረመስ ምምሕዳር ከተማ ቦምል ምዕራብ ኖርዌይ እዩ ተኸሲቱ። ፖሊስ ነቲ ከባቢ ከም ዝሕጸር ጌሮም መርመራኦም ይቕጽሉ ምህላዎም ፖሊስ ኣውራጃ ደቡባዊ ምዕራብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com