Monday , May 20 2024

ሓበሬታ

ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምዕጋት ፍቓድ ንዝሓተቱ ፖሊስ ፍቓድ ምሃብ ኣብዩ።

እዞም ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምዕጋት ኣብ ከተማታት ሽወደን ሰልፊ ክገብሩ ፍቓድ ንዝሓተቱ ጒጅለ ዓርቢ ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ፖሊስ ፍቓድ ስለዝኸልእዎ ክፍጽሞ ዘይምኽኣሉ ገሊጹ’ሎ። ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሽወደን Bensinupproret 2.0 ዝበሃል ናይ ተቓውሞ ጒጅለ ምፍጣሩ ይፍለጥ። እዚኣቶም ከምቶም ሰብ ብጫ ጃኬት ተባሂሎም ዝጽውዑን ኣብ ፈረንሳይ 20 ሽሕ ሰብ ኣብ ጐደና ዘሰለፉን ጒጅለ ምዃኑ ይዝረበሉ። መስራቲ ናይዚ ምንቅስቓስ …

Read More »

ጻውዒት ንሰላማዊ ሰልፊ ካብ ኮሜቴ ምጥርናፍ ስድራ ቤት

ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተኻየዱ ምቅይያር ሕግታት ብዙሓት ስድራቤታት ንኽበታተኑ ጠንቂ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። ኮሜቴ ምጥርናፍ ስድራቤት ምስ ኣባላት ፓርላማ ስዊድን ክገብሮ ድሕሪ ዝጸንሐ ርክባት ንዕለት28 ግንቦት 2019 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ካብ ሰዓት12:00 ክሳብ ሰዓት 15:00  ሰላማዊ ሰልፊ ንኽግበር መደብ ወጽዩ ስለዘሎ: ኩላትኩም በዚ ጉዳይ ትግደሱ ሰባትን ደገፍትን ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ሰዓትን ዕለትን መጺኹም ድምጽኹም ከተስምዑ ጻዊዕትና ነቅርብ። …

Read More »

ICA ዘፍርዮ ዓይነት ብላሽ መግቢ ክንኪ እየ ይብል።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሰንሰለት ICA ዝኾነ Per Strömberg ኣብ 2025 ዘፍርዮ መጠን ገፈጥ-መፈጥ መግቢ ብፍርቂ ከጒድለ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ ክብል ን ጋዜጣ dagens ሓቢሩ’ሎ። ፍርያት ገፈጥ መፈጥ ኣብ ከባብያዊ ብከላ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎም ዝፍለጥ እዩ። ምዕሩይ ምዕባለ መታን ክህሉ መራሕቲ ቢዝነስ ህዝቢ ዝሓሸ ጥዕናዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ክወስድ ከተባብዑን ክመርሑን ሓላፍነት ከም ዘለዎም’ውን ተሰሚርሉ’ሎ።

Read More »

መራሕቲ ሰልፊታት ሽወደን ዘካየድዎ ክትዓት ብተሌቪዥን ብቐጥታ ክመሓላለፍ እዩ።፡

ሰንበት 5 ግንቦት 2019 መራሕቲ ባይቶኣዊ ሰልፊታት ሽወደን ኣብ ጒዳይ ኢሚግሬሽን ክሊማ ሕጊን ገበንን ዝመሰሉ ጒዳያት ዝገብርዎ ክትዓት ብቴሌቪዥን ክመሓላለፍ እዩ ተባሂሉ። ብተወሳኺ ኣብቲ ክትዓት ጒዳያት ትምህርቲ ክንክን ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ሽወደን ክለዓሉ እዮም። እዚ ክትዓት ኣብ መንጐ ቀዳማይ፡ሚኒስተር Stephan Löfven ከምኡውን መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ Olf Christersen ኮይኑ ኣብ ጒዳያት ድሕነት ኮሚኒቲ ሕጊን ስርዓትን እዮም ክዝትዩ። እዚ ክትዓት ኣብ መንጐ …

Read More »

667 ደለይቲ ስራሕ ብጌጋ ዝተኸፍሎም ገንዘብ ክመልሱ ይሕተቱ።

ኣማኢት ደለይቲ ስራሕ ብጌጋ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ይረኽቡ ምህላዎም SVT ዝተባህለ ኣገልግሎት ተሌቪዥን ገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻባት እዚ ተሌቪዥን 667 ደለይቲ ስራሕ ካብ 4 ክሳብ 10 ሚልዮን ክሮነር ዝግመት ሓገዝ ካብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ረኺቦም ኣለዉ። ልዕሊ 18 ሽሕ ዝኾኑ ግጒያት ውሳኔታት ብበዓልመዚ ዕዮ ከም እተፈጸሙ ተገሊጹ’ሎ። እዞም ጌጋታት ወርሓዊ ደለይቲ ስራሕ ካብ Försäkringskassan ቅድሚ ምርካቦም ዝቐረቡ ጸብጻባት ስራሕ እዮም።፡ ምንጪ እዚ ሽግር …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ካብ በዓል መዚ ኢመግረሽን

ዜጋታት ኤርትራ ብዘይ ፓስፖርት ብቐጥታ ምጥርናፍ ስድራቤት ሕቶኦም ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ:: ብብዙሕ ምኽንያታት ኤርትራውያን ፓስፖርት ዓዶም ክረኽቡ ይጽገሙ እዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ፍቓድ መንበሪ ንምሕታት ወይ ምጥርናፍ ስድራቤት ኣብ ምስላጥ ክሽገሩ ምጽንሖም ይፍለጥ። በዚ ድማ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ዜጋታት ኤርትራ ብዘይ ፓስፖርት ብቐጥታ ሕቶኦም ከቕርቡ ዝኽእልሉ ቀጥታዊ ኣገልግሎት ምቕራቡ የፍልጥ።

Read More »

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሓዊ ምእጓድ ተኸልኪሉ።

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሽወደን ኣብ እዋን ጽምብል Valborg ሓዊ ምጥቃም ክልኩል እዩ። በዓልቲ መዚ ህጹጽ እዋንን እሳትን ኣብ ጫካታት ዘሎ ሓመድን ሳዕርን ምድራቑን ልዑል መጠን ሓደጋ ባርዕ ክህሉ ከም ዝኽእልን ሓቢራ ኣለዉ። “ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር እቲ ናይ ባርዕ ሓደጋ ልዕል ዝበለ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ወቕቲ ጽድያ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ’ምበር ቅልጥፍ ኢለ ዝመጸ እዩ ዝመስል” ኢላ’ላ። ብዙሓት ኣውራጃታትን …

Read More »

ሎም ምሸት ቀረጽ ኣታዊኹም እተፍልጥሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እዩ ተባሂሉ።

ሎሚ ካልአይቲ ሓሙስ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ተመላሲ ቀረጽ ናብ በዓልመዚ ቀረጽ Skatteverket እተፍልጡላ መዓልቲ እያ። ካብ ዘየድሊ ሞልታን መቕጻዕትን ንምድሓን ቀረጽ ኣብ ግዚኡ ከረክቡ ከም ዝግባእ ከኣ ክኢላታት ይመኽሩ። ዛጊት 4.6 ሚልዮን ሽወደናውያን ቀረጽ ኣታዊኦም ኣፍሊጦም( ከፊሎም) ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ 1.6 ሚልዮን ሎም ምሸት ከፍልጡ ትጽቢት ይግበረሎም። ብመሰረት IRS ኤለክትሮኒካዊን ቀጥታዊን ምፍላጥ ኣታዊ ኣዝዩ ቅቡል እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ዲጂታላዊ …

Read More »

ኢንዶኔዥያ ርእሰ ከተማኣ ካብ ጃካርታ ከትግዕዝ እያ ተባሂሉ።

ሚኒስተር ውጠና እታ ሃገር ቦምባንግ ብሮዦንጎሮ ንፕረሲደንት እታ ሃገር ብምጥቃስ እዚ ኣገዳሲ ውሳነ እዩ ምባሉ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ሓድሽ ርእሰ ከተማ ኣበይ እዩ ክኸውን ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን። እንተኾነ ግና ጸብጻባት መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝሕብርዎ ኣብ ደሴት ቦርንዮ እትርከብ ፓላንግካርያ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዋ’ሎ። 10 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ጃካርታ ብዝለዓለ ፍጥነት ናብ ባሕሪ ትጥሕል ምህላዋ ይፍለጥ።

Read More »

ሴቭ ዘ ችልድረን ጨንፈር ሽወደን ውሉዳት ሽወደናውያን ዳዕሽ ካብ ሶርያ ክትመልሶም ጸቕጢ ይገብር።

ሴቭ ዘ ችልድረን ጨንፈር ሽወደን ውሉዳት ሽወደናውያን ዳዕሽ እዮም ተባሂሎም ንዝጥርጠሩ ቈልዑ ካብ ሶርያ ክትመልሶም ጸቕጢ ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብዚ ሰሙን ተወላዲ ሽወደንን ቀንዲ መልማሊ ዳዕሽን ዝነበረ Michael Skramoን በዓልቲ ቤቱ Amanda Gonzalezን ምስ ሽወዓተ ደቈም ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ብጥምየት ዓቢሮም ተራእዮም ዝብል ዜና ድሕሪ ምግዋሑ እዩ እዚ ዝስዕብ ዘሎ። እቲ ትካል ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ንትግበራ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com