Friday , April 26 2024
Marcus Ericsson/TT

667 ደለይቲ ስራሕ ብጌጋ ዝተኸፍሎም ገንዘብ ክመልሱ ይሕተቱ።

ኣማኢት ደለይቲ ስራሕ ብጌጋ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ይረኽቡ ምህላዎም SVT ዝተባህለ ኣገልግሎት ተሌቪዥን ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻባት እዚ ተሌቪዥን 667 ደለይቲ ስራሕ ካብ 4 ክሳብ 10 ሚልዮን ክሮነር ዝግመት ሓገዝ ካብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ረኺቦም ኣለዉ።

ልዕሊ 18 ሽሕ ዝኾኑ ግጒያት ውሳኔታት ብበዓልመዚ ዕዮ ከም እተፈጸሙ ተገሊጹ’ሎ።

እዞም ጌጋታት ወርሓዊ ደለይቲ ስራሕ ካብ Försäkringskassan ቅድሚ ምርካቦም ዝቐረቡ ጸብጻባት ስራሕ እዮም።፡

ምንጪ እዚ ሽግር ኣብቲ በዓል መዚ ካብ 2015 ጀሚሩ ክግልገለሉ ዝጸንሐ መሳለጥያ ኤለክትሮኒክ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

እቶም ካብዚ ገጒይ ኣገባብ ረብሓ ክረኽቡ ዝጸንሑ ዝተዋህቦም ተመላሲ ክገብሩ ተሓቲቶም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com