Saturday , April 27 2024
Foto: Johan Nilsson / TT

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሓዊ ምእጓድ ተኸልኪሉ።

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሽወደን ኣብ እዋን ጽምብል Valborg ሓዊ ምጥቃም ክልኩል እዩ።

በዓልቲ መዚ ህጹጽ እዋንን እሳትን ኣብ ጫካታት ዘሎ ሓመድን ሳዕርን ምድራቑን ልዑል መጠን ሓደጋ ባርዕ ክህሉ ከም ዝኽእልን ሓቢራ ኣለዉ።

“ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር እቲ ናይ ባርዕ ሓደጋ ልዕል ዝበለ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ወቕቲ ጽድያ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ’ምበር ቅልጥፍ ኢለ ዝመጸ እዩ ዝመስል” ኢላ’ላ።

ብዙሓት ኣውራጃታትን ምምሕዳራት ከተማን ባርዕ ጫካ ንምክልኻል ብፍላይ ኣብ Kronoberg, Jönköping, Östergötland ናይ እሳት እገዳ ምግባሮም ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣውራጃታት Norrland ከምኡውን Svealand ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com