Saturday , April 27 2024
Foto: Stina Stjernkvist/TT

መራሕቲ ሰልፊታት ሽወደን ዘካየድዎ ክትዓት ብተሌቪዥን ብቐጥታ ክመሓላለፍ እዩ።፡

ሰንበት 5 ግንቦት 2019 መራሕቲ ባይቶኣዊ ሰልፊታት ሽወደን ኣብ ጒዳይ ኢሚግሬሽን ክሊማ ሕጊን ገበንን ዝመሰሉ ጒዳያት ዝገብርዎ ክትዓት ብቴሌቪዥን ክመሓላለፍ እዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ክትዓት ጒዳያት ትምህርቲ ክንክን ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ሽወደን ክለዓሉ እዮም።

እዚ ክትዓት ኣብ መንጐ ቀዳማይ፡ሚኒስተር Stephan Löfven ከምኡውን መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ Olf Christersen ኮይኑ ኣብ ጒዳያት ድሕነት ኮሚኒቲ ሕጊን ስርዓትን እዮም ክዝትዩ።

እዚ ክትዓት ኣብ መንጐ ሰልፊታት ኣዝዩ ርሱን ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢይ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ፖሊስ ብዙሕ ወፍሪ እኳ እንተተገብረ ተዂሲ ኣየቋረጸን።

ኣብ ከተማታት ብዙሓት ቆልዑን መንእሰያትን ኣደዳ ስርቂ ይኾኑ ኣለዉ ይብሉ ነቲ ክትዓት ዘካይድዎ ዘለዉ Mats Knuttson ከምኡውን Anna Haidemon።

ጒዳይ ቀረጽ ክሊማን ምርጫ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦት ኣገደስቲ ዛዕባታት እዚ ክትዓት ክኾኑ እዮም ትባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com