Friday , May 17 2024

ውህደት

ኖርወይ ኣብ ዝርዝር “ጸላእቲ ሩስያ” እተባህላ ሃገራት ኣትያ ተባሂሉ።

ሩስያ ን ዩክሬይን ድሕሪ ምውራራ ኖርወይ ካብተን ኣብ ልዕሊኣ እገዳታት ክጸንዕ ዝደገፋ ሃገራት ብምዃና ኣብቲ መንግስቲ ሩስያ ዘጽደቖ ዝርዝር “ጸላእቲ ሩስያ ዝኾና ሃገራትን መሬታትን” ከም ዝኣተወት ተገሊጹ። እዚ “ኣብ ልዕሊ ሩስያ፡ ናይ ቢዝነስ ኮማን ህዝባን ናይ ጽልኢ ተግባራት ዝፈጸማ” ብዝብል ኣርእስቲ ንውሕ ዝበለ ዝርዝር ሃገራትን ትካላትን ዘካትት ጸብጻብ ብመንግስቲ ሩስያ ዝጸደቐ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ታስ ሓቢሩሎ።  ብዘይካ ኖርወይ ከምኒ …

Read More »

ኖርዌጃዊ ጥርጡር ግበረሽበራዊ ኣብ የመን ተታሒዙ።

ብግብረሽበራዊ ስርሓት ዝጥርጠር ኖርዌጃዊ ኣንደርሽ ካሜሩን ኡስተንስቪግ ኣብ የመን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምውዓሉ ፖሊስ ኣገልግሎት ጸጥታ ን ኖርዌጃን ብሮድካስቲንግ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። “ኣብዚ ሕጂ እዋን ክንብሎ እንኽእሎ እንተሎ እዚ ጥርጡር ኣብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምህላዉ እዩ” ክብል ኣባል እቲ ኣገልግሎት ጸጥታ ሃሪስ ህረኖቪካ ነቲ ማዕከን ዜና ገሊጽሉ’ሎ። 43 ዝዕድሜኡ ካሜሩን ኦስተንስቪግ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት እዩ …

Read More »

ሩስያውያን ብዛዕባ ኲናት ዩክሬይን ሓቂ ከጋውሑ 29 ስሙያት ደረስቲ ጸዊዖም።

ተሸለምቲ ኖቤል ዝርከቡዎም 29 ስሙያት ደረስቲ፡ ዜጋታት ሩስያ ብዛዕባ ኲናት ዩክሬይን ሓሶትን ፕሮፓጋዳን ዘይኮነ እቲ ሓቂ ክጽብጽቡ ዝጽውዕ ክታም ምንባሮም ተገሊጹ። “ህዝቢ ሩስያ ንብርከት ዝበላ ዓመታት ሓሶታት መንግስቲ ክቕለብ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብታ ሃገር ናጻ ዘበለ ምንጪ ሓበሬታ ኲሉ ተዓጽዩ እዩ፥ መራሕቲ ተቓወምቲ ስልፊታት እውን ኣፎም ክዕበስ ተጌሩ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ከም ቃሕታአን ዜና ዝፍብርኻሉ ኲነታት እዩ ተፈጢሩ” ክብሉ እቶም ደረስቲ …

Read More »

UN ቊጽሪ ስደተኛታት ዩክሬይን ልዕሊ 1.7 ሚልዮን በጺሑ።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ካብ ዝጅመር 10 መዓልታት መሊኡሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ዩክሬናውያን ካብ ሃገሮም ከም እተሰደዱ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR) ኣፍሊጡ። ትማል ሰኑይ ጥራይ 1,735,068 ስደተኛታት ከም ዝምዝገበ ዝገለጸ UNHCR እዚ ምስ ቅድሚኣ ዝነበረ መዓልቲ እተመዝገበ ኣሃዝ እንክወዳደር ናይ 200,000 ወሰኽ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ። ፍርቂ ካብዞም ስደተኛታት ቆልዑ ምዃኖም ማዕከን ቆልዑ …

Read More »

ሽወደናውያን ናብ ሩስያ ከይጐዓዙ መጠንቀቕታ ቀሪቡ።

ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ብቕድሚ ትማል ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጒዕዞ መምርሒ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ፈደሬሽን ሩስያ ካብ ምጋሽ ክቚጠቡ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። እዚ ብምኽንያት ኲናት ዩክሬይን ወጺኡ ዘሎ ሓበሬታ ክሳብ ብኻልእ ክሳብ ዝትካእ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ኢሉ’ሎ እቲ መምርሒ። ኣብዚ መጠንቀቓታ ሰፊረን ዘለዋ ካልኦት ሰለስተ ሃገራት ዩክሬይን፡ ቤላሩስን ሞልዶቫን እየን።.

Read More »

ሽወደን፡ ፈተነ ሲረና ተኻዪዱ።

ትማል ሰኑይ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መላእ ሽወደን ፈተነ ግዳማዊ ናይ መጠንቀቓት ሲረና ተኻዪዱ። እዚ ፈተነ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ወርሓት መጋቢት፡ ሰነ፡ መስከረምን ታሕሳስን ሰኑይ መዓልቲ ክካየድ እዩ። “ፈተነ ሲረና ክንገብር ዝደረኸና ኣብ ዓለምና ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት እዩ። ሰባት ነዚ ሲረና ናይ ኲናት ወይ ካልእ መጠንቀቕታ ጌሮም ክወስድዎ የብሎምን” ክብል ኣብ ኤጀንሲ ሲቪላዊ ተኽእሎታት ሃኬን …

Read More »

ብሰንኪ ኲናት ዩክሬይን ዕዳጋ ስቶክሆልም የንቈልቊል።

ኣብ ዩክሬይን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሎሚ ንግሆ ምንቊልቋል ብርኪ ሽወደን ኣጋጢሙ ምንባሩን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣውፈርቲ ሻቕላ ፈጢሩ ምህላዉን ተገሊጹ። ዕዳጋ ብርኪ ሽወደን ካብዚ ክሳራታቱ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ እኳ እንተሓወየ ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ጀሚሩ ብቐጻሊ ምንቊልቋል ከአንግድ ምጽንሑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እዚ ኩናት ኣብ ዋጋ ነዳዲን ጋዝን ኣስዒብዎ ዘሎ ተወሳኺ ሰከም ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ሻቕላ ፈጢሩ ምህላዉ …

Read More »

ዓሰርተታት ኖርዌጃውያን ኣብ ዩክሬይን ኣለዉ።

ዓሰርተታት ኖርዌጃውያን ሕጂውን ኣብ ዩክሬይን ምህላዎም ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ካብ ወርሓ ጥሪ ኣትሒዙ ነዞም ዜጋታት ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ክሕተቱ ምጽንሖም እቲ ሚኒስተሪ ሓቢሩሎ። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ዜጋታት ናብ ዩክሬይን ከይጐዓዙ ከጠንቅቕ ምጽንሑን ሕጂ ኣብ ዩክሬይን ክንደይ ዝኣኽሉ ኖርዌጃውያን ከም ዘለዉ ልክዕ ኣሃዝ ሓበሬታ ከም ዘይብሎምን ሰብመዚ እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ ገሊጹሎ። “እንተኾነ ግና …

Read More »

UN: ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዩክሬናውያን ተሰዲዶም።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣብ ዝሓለፋ 10 መዓልታት ጥራይ 1.5 ሚልዮን ዩክሬናውያን ከም እተሰደዱ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፕ ግራንዲ ገሊጹ። እዚ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ዝተኸስተን ብፍጥነት ዝዓቢ ዝሎን ቅልውላው ሰተኛታ እዩ ኢሉሎ ግራንዲ– ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር ጽሑፍ። ብስንኪ እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት 4 ሚልዮን ዩክሬናውያን ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ UN …

Read More »

ሽወደን ናብ ኔቶ ትጽንበርዶ ትኸውን? “እዚ ጒዳይ ዳግማይ ዘተ ክካየደሉ እዩ”

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይንን ንሱ ኣብ ኣውሮጳ ኣስዒብዎ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላውን ንሽወደን ኣባል ኔቶ ናይ ምዃን ውጥና ዳግማይ ናብ ዘተ ከተቕርቦ ክድርኽ ከም ዝኽእል ዋና ኣካያዲ ምርምር ትካል ኣህጒራዊ ጒድያት ሽወደን ያን ሃለንበርግ ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽንበር እንድሕሪ ኮይና እዚ ውሳነ ምስ ፊንላንድ ብምውህሃድ ክውሰድ ከም ዝኽእል ሃለንበርግ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ፑቲን ንሽወደንን ፊንላንድን ክወረን እየ እናበለ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com