Saturday , April 27 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

ሽወደን፡ ፈተነ ሲረና ተኻዪዱ።

ትማል ሰኑይ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መላእ ሽወደን ፈተነ ግዳማዊ ናይ መጠንቀቓት ሲረና ተኻዪዱ። እዚ ፈተነ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ወርሓት መጋቢት፡ ሰነ፡ መስከረምን ታሕሳስን ሰኑይ መዓልቲ ክካየድ እዩ።

“ፈተነ ሲረና ክንገብር ዝደረኸና ኣብ ዓለምና ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት እዩ። ሰባት ነዚ ሲረና ናይ ኲናት ወይ ካልእ መጠንቀቕታ ጌሮም ክወስድዎ የብሎምን” ክብል ኣብ ኤጀንሲ ሲቪላዊ ተኽእሎታት ሃኬን ማርክሶን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com