Saturday , April 27 2024
(Russian Presidential Press Service via AP) RUS101

ኖርወይ ኣብ ዝርዝር “ጸላእቲ ሩስያ” እተባህላ ሃገራት ኣትያ ተባሂሉ።

ሩስያ ን ዩክሬይን ድሕሪ ምውራራ ኖርወይ ካብተን ኣብ ልዕሊኣ እገዳታት ክጸንዕ ዝደገፋ ሃገራት ብምዃና ኣብቲ መንግስቲ ሩስያ ዘጽደቖ ዝርዝር “ጸላእቲ ሩስያ ዝኾና ሃገራትን መሬታትን” ከም ዝኣተወት ተገሊጹ።

እዚ “ኣብ ልዕሊ ሩስያ፡ ናይ ቢዝነስ ኮማን ህዝባን ናይ ጽልኢ ተግባራት ዝፈጸማ” ብዝብል ኣርእስቲ ንውሕ ዝበለ ዝርዝር ሃገራትን ትካላትን ዘካትት ጸብጻብ ብመንግስቲ ሩስያ ዝጸደቐ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ታስ ሓቢሩሎ።  ብዘይካ ኖርወይ ከምኒ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ብሪጣንያ፡ ዩክሬይን፡ ሞንትኔግሮ፡ ስዊትዘርላንድ፡ ኣልባንያ፡ ኣንዶራ፡ ኣይስላንድ፡ ሌቸስቴይን፡ ሞናኮ፡ ሰሜን መቄዶንያ፡ ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያ፡ ኦስትራልያ፡ ማይክሮኔዥያ፡ ኒውዚላንድ፡ ሲንጋፖርን ታይዋንን ኣብዚ ዝርዝር ኣትየን ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com