Wednesday , May 8 2024
Credit: Erik Simander / TT

ብሰንኪ ኲናት ዩክሬይን ዕዳጋ ስቶክሆልም የንቈልቊል።

ኣብ ዩክሬይን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሎሚ ንግሆ ምንቊልቋል ብርኪ ሽወደን ኣጋጢሙ ምንባሩን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣውፈርቲ ሻቕላ ፈጢሩ ምህላዉን ተገሊጹ።

ዕዳጋ ብርኪ ሽወደን ካብዚ ክሳራታቱ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ እኳ እንተሓወየ ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ጀሚሩ ብቐጻሊ ምንቊልቋል ከአንግድ ምጽንሑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እዚ ኩናት ኣብ ዋጋ ነዳዲን ጋዝን ኣስዒብዎ ዘሎ ተወሳኺ ሰከም ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ሻቕላ ፈጢሩ ምህላዉ ኣብ ንግዳዊ ጒዳያት ትንተና ዘቕርብ ክሪስትያን ኣስትሮም ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com