Saturday , April 27 2024
Foto: Trond Reidar Teigen / NTB scanpix / TT / kod 20520

ኖርዌጃዊ ጥርጡር ግበረሽበራዊ ኣብ የመን ተታሒዙ።

ብግብረሽበራዊ ስርሓት ዝጥርጠር ኖርዌጃዊ ኣንደርሽ ካሜሩን ኡስተንስቪግ ኣብ የመን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምውዓሉ ፖሊስ ኣገልግሎት ጸጥታ ን ኖርዌጃን ብሮድካስቲንግ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

“ኣብዚ ሕጂ እዋን ክንብሎ እንኽእሎ እንተሎ እዚ ጥርጡር ኣብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምህላዉ እዩ” ክብል ኣባል እቲ ኣገልግሎት ጸጥታ ሃሪስ ህረኖቪካ ነቲ ማዕከን ዜና ገሊጽሉ’ሎ።

43 ዝዕድሜኡ ካሜሩን ኦስተንስቪግ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት እዩ ናብ ኣልቓዒዳ ጨንፈር የመን ተጸንቢሩ። ቦምባታትን ተፈንጀርቲ ከምኡውን ኣብ ተሽከርከርት ጌርካ ዝትኰስ ነተጒቲ ምስራሕ ከም እተማህረን ኣብ ዝተፈላለየ ግብረሽበራዊ ስርሕት ኣልቃዒዳ ከም እተዋፈረን ብ ክፍሊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቢሉ ክግለጽ ምጽንሑ ኖርወይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com