Saturday , April 27 2024
(AP Photo/Michael Probst, File) WX206

ሩስያውያን ብዛዕባ ኲናት ዩክሬይን ሓቂ ከጋውሑ 29 ስሙያት ደረስቲ ጸዊዖም።

ተሸለምቲ ኖቤል ዝርከቡዎም 29 ስሙያት ደረስቲ፡ ዜጋታት ሩስያ ብዛዕባ ኲናት ዩክሬይን ሓሶትን ፕሮፓጋዳን ዘይኮነ እቲ ሓቂ ክጽብጽቡ ዝጽውዕ ክታም ምንባሮም ተገሊጹ።

“ህዝቢ ሩስያ ንብርከት ዝበላ ዓመታት ሓሶታት መንግስቲ ክቕለብ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብታ ሃገር ናጻ ዘበለ ምንጪ ሓበሬታ ኲሉ ተዓጽዩ እዩ፥ መራሕቲ ተቓወምቲ ስልፊታት እውን ኣፎም ክዕበስ ተጌሩ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ከም ቃሕታአን ዜና ዝፍብርኻሉ ኲነታት እዩ ተፈጢሩ” ክብሉ እቶም ደረስቲ ኣብ ጋዜጣ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዝወጸ ጻውዒቶም ገሊጾም ኣለዉ።

ሩስያ ን ዩክሬይን ካብ እትወራ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሩስያ ዝወረደ ስዕረት ዝገልጽ ዜናታት ከም ፕሮፓጋንዳ ሃገራት ምዕራብ እናተገብረ ክቐርብ ምጽንሑ ዝሓበሩ እቶም ደረስቲ ህዝቢታት ሩስያ ቤላሩስን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ሩስያ ዝርከብ ህዝቢ ዩክሬይንን ብዛዕባ እዚ ኲናት ሓቁ ጥራይ ክጽብጽቡ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

ዋላኳ ቭላድሚር ፑቲን ዕዉርን ጸማምን እንተኾነ ህዝቢ ሩስያ ቋንቋኦም ንዝዛረቡ ካልኦት ዜጋታት ክሰምዑ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣሎና ኢሎም ኣለዉ እቶም ደረስቲ።
ገለ ካብዞም ከተምቲ እዚ ጻውዒት መርመራዊ ጋዜጠኛን ጸሓፊትን ስቬትላንድ ኣሌክሲዬቪች፡ ዜጋ ጀርመንን ሮማንያን ዝኾነት ተሸላሚት ኖቤል ደርሲት ሀርታ ሙለር ከምኡውን ፖላንዳዊት ደራሲት ኦልጋ ቶካርዡክ እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com