Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen)ኣስታት 500 ሓለፍቲ ከፋንው ምኻኑ ተፈሊጡ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ካድረታቱን ክፍልታቱን ከጒድል ምጅማሩን ኣሃዱታት ምምሕዳሩ ኣብ ሽወደን ጥራይ ካብ 24 ናብ 7 ከውርድ ምዃኑን በዚ ድማ ኣስታት 500 ዝኾኑ ሓለፍቲ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ስራሕ ክሰናብት ምውሳኑን ተፈሊጡ። ብመሰረት እቲ በዓልመዚ 17 ማእከላት ክስረዛ ኣየን። ኣብ ምምሕዳራት Fallon, Uttipuri, Kalmar, Kristenheim, Malmo, Stockholm and Ostersund ዘለዋ ጥራይ እየን ክቕጽላ። እቲ ቤትጽሕፈት እዚ ዝወሰነሉ ምኽንያት …

Read More »

ቅድመ ንቡር ግዜ ንዝውለዱ ናጽላ ኣብ ምድሓን ሽወደን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከም እትስራዕ ተገሊጹ።

እዚ መጽናዕቲ ኣብ ዘይግዜኦም ቅድሚ ክልተን ሰለስተ ኣዋርሕ ዝውለዱ ናጽላ ዘጠቓለለ እዩ። ኲለን ኣብዚ መጽናዕቲ እተሳተፋ ሆስፒታላት ሽወደን ከም ዘረጋገጻኦ 77 ሚእታዊት ኣብ ዘይግዜኦም ዝውለዱ ቈልዑ ብህይወት ምንባር ክቕጽሉ ክኢሎም ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ዓመታት 2004 ክሳብ 2007 ካብ ዝነበሮ ብ 7 ሚእታዊት ዓብዩ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ብዋጋ ኣብቶም ናጽላ ዝወርድ ናይ ጥዕና ምትሕልላኻት ኣይኮነን፥ ብኣንጻሩ ኣብዞም ናጽላ ዝወርድ …

Read More »

ዓርሞሸሽ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ (social democrats) ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ብዙሕ በዳህቲ ሕቶታት ኣይገጠሞን ተባሂሉ።

ዓርሞሸሽ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣብ ናይ ሚእቲ ዓመት ታሪኹ እቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ውጽኢት እኳ እንተረኽበን ብዙሕ ቅሬታታት ኣብ ውሽጡ እኳ እንተለዎን ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ብዙሕ በዳህቲ ሕቶታት ኣይገጠሞን ተባሂሉ። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ምስ ዝዓዪ መራሒ ማሕበር ተሃድሶ Markus Kalifatides ኣብ ዝገበረቶ ዕላል ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ እቲ ሰልፊ ግቡእ ክትዓት ክካየድ ዘይምጽንሑ ክትርዳእ ክኢላ’ላ። ፖለቲካዊ …

Read More »

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኽሰት ጎነጽ ብዕጽፊ ምዝያዱ ተገሊጹ።

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኽሰት ንፍርራህ ጎነጽ ምስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝነበሮ እንክነጻጸር ብዕጽፊ ምዝያዱ ኣሃዛት ኤጀንሲ ከባቢ ዕዮ ኣመልኪቶም። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኤጀንሲ ከባቢ ዕዮ ኣስታት 450 ዝኾኑ ጸብጻባት ጎነጻዊ ምፍርራሃት ከም ዝነበሩን ሎሚ ናብ 900 ክብ ምባሉን ሓቢሩ። መንግስቲ ነዞም ጸገማት ተሃድሶ ካሪክሉም ብምትእትታውን ተመሃሮ መሰል ጥራይ ዘይኮነ ግቡእ እውን ከም ዘለዎም ብምምሃር ከምኡ’ውን ጥዑይ ናይ ስራሕ ከባቢ ብምፍጣር …

Read More »

ብተዛማዲ ብርቱዕ ዝበሃል ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ሰሜናዊ Hagfors ኣጋጢሙ።

ሰሉስ ንግሆ ሰዓት 7:16 ካብ Hagfors 34 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቦታ ኣጋጢሙ። ብመሰረት ማእከል ሴስሚክ ሽወደን ዓቐን እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 3.2 ሬክተር ስኬይል ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ። መብዛሕትኦም ተቐማጦ Värmland ነዚ ምስምዖም ድማ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ክኢላ ምንቅጥቃጥ ምድሪ Boron Lund እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብደረጃ ሽወደን ብተዛማዲ ብርትዕ ዝበለ ክበሃል ዝከኣል እዩ። ኣብ ሽወደን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሳሕቲ ጥራይ እዩ ዘጋጥም። …

Read More »

ቀጻሊ ምጒዳል ዋጋ ክሮነር ሽወደን ኣብ ጽድያ ክኽሰት እዩ ይበሃል ኣሎ።

ክሮነር ሽወደን ምስ ዩሮን ዶላርን እንክወዳደር ብቐጻሊ ዋጋኡ እናንቈልቈለ ምምጽኡን እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝቕጽል ምዃኑን SEB ተነብዩ’ሎ። ዋጋ ክሮነር ምጒዳሉ ኣብ ጽፍሒ ትካላት ዋኒንን ስድራቤታዊ ትሕዝቶን ፋይናንሳዊ ክሳራ ምስዓቡ ይግለጽ ኣሎ። ንወጻኢ ዝጐዓዙ ሰባት ብብዙሕ ክሮነር ውሑድ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ይረኽቡ ምህላዎምን በዚ ተርእዮ ከም እተጸልዉን ድማ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ ክሮነር ብመንጽር ዋጋ ናይ ወጻኢ …

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ንፓስፖርት ብሪጣንያውያን ዜጋታት ማሕተም ናይ ምሃብ ውጥኑ የደንጒዮ ምህላዉ ተገሊጹ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዚ ዝኸውን ዘሎ ብመሰረት ወግዓዊ ምልቃቕ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዓንቀጽ 50ን እዩ ኢሉ’ሎ። እዚ ማሕተም ኣብ ኣጋጣሚ ውዕል ኣልቦ ምልቃቕ ክሳብ 29 መጋቢት ብሪጣንያውያን ኣብ ሽወደን ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱ ዝብል ውጥን እዩ ኔሩ። ካብ በዓል መዚ ኢመግረሽን ዝኾነት Asa Hemingway ዝበለጸ ሓበሬታ ይጽበዩ ምህላዎም ገሊጻ’ላ። ኣብ ሽወደን ልዕሊ 20 ሽሕ ብሪጣንያውያን …

Read More »

ነበርቲ ሁስቢ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ።

ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ሁስቢ ንኽሰርሖ ሓሲብዎ ዘሎ መንበሪ ገዛውቲ ብምቅዋም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ሰባት ሎሚ መዓልቲ ሰንበት 24 ማርች 2019 ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ። Foto: Christy Chamy እቶም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝገልጽዎ እዚ ገዛውቲ ንምስራሕ ብዙሕ ኣግራብ ክበርስ ስለዝኾነ እዚ ኸኣ ነቲ ከባቢ ሃሳይ እዩ ብዝብል ምኽንያት ከምዝተቃወምዎ ሓቢሮም። ኣብ ሁስቢ ዝርከቡ ነበርትን ማሕበራትን ብሓባር ዝጸውዕዎ ሰላማዊ ሰልፊ …

Read More »

ሰልፍና ምስ SD ክዘራረብ ድሉው’ዩ ክብል መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ Ulf Christerson ገሊጹ።

ሰልፍና ምስ SD ክዘራረብ ድሉው እኳ እብተኾነ ናብ ዝኾነ ቀጽሪ ወይ ምምስራት መንግስቲ ግና ኣይንኣቱን ኢና ክብል መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ Ulf Christerson ገሊጹ። “ምስ ኲሎም ሰልፊታት ክንዘራረብ ድሉዋት ኢና–እዚ ማለት ግና ሓድሽ ቀጽሪ ክነቕውም ኢና ማለት ኣይኮነን” ክብል ኣብ ናይ ፌይስቡክ ገጹ ኣስፊሩ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ መሻርኽቱ ዝኾነት ፕረሲደንት ክርስትያናዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ Iba Bosch Tor ትማሊ ምስ Sverige Domkraterna ክትተሓባበር …

Read More »

መልእኽቲ ሞባይል Tele2 ክጥለፍ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ናይ Tele2 መልእክቲ ድምጺ ብዝኾነ ካልእ ሰብ ክስማዕ ይኽእል እዩ ክብል ሎሚ ዝተዘርግሐ ዜና ኣቃሊዑ። እዚ ናይ ሞባይል ኦፐሬተር ነዚ ንምጽጋን ምሉእ መዓልቲ ይሰርሕ ምህላዉ ድማ ተገሊጹ’ሎ። ስርዓተ መልእኽቲ ድምጺ Tele2 ብዙሕ ኣበራት ከም ዘለዎ ይፍለጥ እዩ፡ ምኽንያቱ መልእኽቲ ዝኾነ ሰብ ብኻልእ ሰብ ክጥለፍን ክስማዕን ስለዝኽእል። መዓስ ምዃኑ ብልክዕ እኳ እንተዘይሓበሩ እዚ ብህጹጽ ክፍታሕ ዘለዎ እዩ ክብሉ ኦፐሬተራት ሞባይልት ኣፍሊጦም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com