Wednesday , May 8 2024
Christine Olsson/TT

ቅድመ ንቡር ግዜ ንዝውለዱ ናጽላ ኣብ ምድሓን ሽወደን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከም እትስራዕ ተገሊጹ።

እዚ መጽናዕቲ ኣብ ዘይግዜኦም ቅድሚ ክልተን ሰለስተ ኣዋርሕ ዝውለዱ ናጽላ ዘጠቓለለ እዩ።

ኲለን ኣብዚ መጽናዕቲ እተሳተፋ ሆስፒታላት ሽወደን ከም ዘረጋገጻኦ 77 ሚእታዊት ኣብ ዘይግዜኦም ዝውለዱ ቈልዑ ብህይወት ምንባር ክቕጽሉ ክኢሎም ኣለዉ።

እዚ ድማ ኣብ ዓመታት 2004 ክሳብ 2007 ካብ ዝነበሮ ብ 7 ሚእታዊት ዓብዩ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ብዋጋ ኣብቶም ናጽላ ዝወርድ ናይ ጥዕና ምትሕልላኻት ኣይኮነን፥ ብኣንጻሩ ኣብዞም ናጽላ ዝወርድ ናይ ሓንጐልን ሳንቡእን መጒዳእቲ ብዓብዪ መጠን ጐዲሉ’ሎ ክብል እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ ከምኒ ፈረንሳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እቲ መጠን ሞት 50 ሚእታዊት ኮይኑ ኣብ 22 ክሳብ 23 ሰሙን ሰሙን ጥንሲ ዝውለዱ ቈልዑ ናይ ምንባር ዕድል ክረኽቡ ሳሕቲ ጥራይ ዝረአ ብርቂ ነገር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com