Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

ዜናታት ሽወደን ብቛንቋ ትግርኛ ሰኑይ 11 Feb. 2019

ፖሊስ ሽወደን ሰራሕተኛታት ተመሲሎም ካብ ዝሰርቁ ገበነኛታት ተጠንቀቑ ይብል። 2. በዓል መዚ ምክትትታል ላዕለዋይ ትምህርቲ፣ ናይ 22 ሰባት ምስክር ወረቐት ሰሪዙ።

Read More »

ኡፕሳላ ብጾታዊ ትንኮያ ትሕመስ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንቲ ጥራይ ኣብ ኡፕሳላ ዓሰርተ ኣንስቲ ብሓደ ሰብኣይ ጾታዊ ትንኮያ ከም ዝበጽሐን ተገሊጹ። እዚ መጥቃዕቲታት ሓደ ሰማያዊ ናይ ሕክምና መወዘቢ ዝወዲ ሰብኣይ ዝፈጸሞ እዩ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘለዎም ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ብሰንበት ሰለስተ ኣንስቲ ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወሪዱወን። ሓደ ሰብኣይ ብድሕሪኣ ብምምጻእ ኣብ መቐመጫኣ ሒዝዋ። እዛ ሰበይቲ ኣውያት ምስ ገበረት እቲ ሰብኣይ ሃዲሙ። ልዕሊ …

Read More »

ሬድዮ ሽወደን መበል 80 ዓመት ልደታ ኣብ ምብዓል ትርከብ።

ሬድዮ ሽወደን ኣብ ትሕቲ ርሱን ሃዋሁ ካልኣይ ኲናት ዓለም እያ ብ 1939 ድምጺ ኣመሪካ ዝተባህለ መደባ ክትፍኑ ጀሚራ። ሕጂ ሬድዮ ሽወደን መበል 80 ዓመት ልደታ ኣብ ምብዓል ትርከብ። እዘን ናይ ስግር ባሕሪ ፈነወታት ብምስፋሕ ከኣ እያ ውዒላ ሓዲራ ሬድዮ ሽወደን ተመስሪታ። ፈለማ ጀርመን እንግሊዝኛ እናበለት ብ 24 ቋንቋታት ናብ ዝፍኖ ሬድዮ ንምዃን በቒዑ ዘሎ። ሬድዮ ሽወደን ካብ ምስረትኣ ጀሚራ ምስ …

Read More »

ኣብ ዓመተ 2018 ኤርትራውያን 91% ኢትዮጵያውያን 37% መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም።

ኣብ ዓመተ 2018 ኣብ ስዊድን ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ኤርትራውያን 91% መንበሪ ፍቃድ ክወሃቦም ከሎ ኢትዮጵያውያን ድማ 37% ዑቕባ ከምዝተወሃቦም በዓል መዚ ኢመግረሽን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። እቲ ብዓል መዚ ከምዝሓበሮ ኣብ ዓመተ 2018 ጠቕላላ ናይ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ቁጽሪ 1051 ክኸውን እንከሎ ቁጽሪ ኢትዮጵያውያን ሓተትቲ ዑቕባ ድማ 656 ምንባሩ ተፈሊጡ። ምንጪ: migrationsverket ካብዞም ዑቕባ ዝሐተቱ ሰባት 790 ኤርትራውያን ፍቓዶም ክወሃቦም …

Read More »

ኣብ ደቡብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ውሽጢ ቤት ብዘጋጠመ ምፍንጃር ሓደ ሰብ ሞይቱ።

ሰንበት መዓልቲ ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ከባቢ vårberg, ሓደ ሰብ ብባርዕ ምሟቱ ከም እተፈልጠ ተገሊጹ። ፖሊስ ብዛዕባዚ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ከባቢ ሰዓት 15:00 እዮም ተሓቢሮም። ዋላኳ ንህዝቢ ስግኣት ዝኽውን ከም ዘይኮነ እንተተነግረ እዚ ባርዕ ብምንታይ ምኽንያት ከም እተኸስተ ክሳብ ዝፍለጥ ህዝቢ ካብቲ ከባቢ ግልል ክብል ግና ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ፖሊስ ጎድኒ ጎድኒ መርመራኦም ምስ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እውን ኣዛሪቦም ኣለዉ። ብመሰረት …

Read More »

በዓል መዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ናይ 22 ሰባት ምስክር ወረቐት ሓኺኹ’ሎ።

በዓል መዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ኣብ መርመራ ትምህርታዊ ብቕዓት ምትላል ፈጺምኩም ኢኹም ብዝብል ናይ 22 ሰባት ምስክር ወረቐት ሓኺኹ’ሎ። እንተኾነ 12 ካብዚኣቶም ድሮ በቲ ዝተዋህብዎ ውጽኢት ተጠቒሞም ኣብ ዪኒቨርሲቲ ሽወደን ትምህርቶም ይከታተሉ ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ኣርባዕተ ሰባት ብዘቕረብዎ ናይ ሓሶት ውጽኢት ተቐባልነት ምርካቦም እንተኾን ግና ጸኒሑ ትምህርቲ ከቋርጹ ከም እተገብረ ሓላፊት መርመራ ብቅዓት ትምህርቲ ሽወደን Cecilia Marklund ንሬድዮ …

Read More »

ፖሊስ ስሕለት ሒዙ ሰባት ዘፈራርህ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእትዮም።

ኣብ ስቶክሆልም ፖሊስ ንሓደ ስሕለት ሒዙ ኣብ ኮሌጅ södertorn ሰባት ዘፈራርህ ሰብን ካልእ ጥርጡርን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእትዮም። በዓልመዚ ፖሊስ Tui Heig ንጋዜጣ Aftonbladet ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓደ ሰብ ከም እተሃስየ ኣመልኪቱ’ሎ። ፖሊስ ጻውዒት ካብ እተቐበልሉ ሰዓት 9፡49 ጀሚሮም ነቲ ቦታ ይፍትሽዎ ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ። ፖሊስ ንሓደ ካብዞም ክሱሳት ተመሃሮ ኸኣ ንኻልእ ቅትለት ክፍጽም ዝፈተነ ጥርጡር ንምሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ …

Read More »

ዜናታት ኣልኮምፒስ 08 Februari 2019

ኣርእስተ ዜናታት 1. ሩስያ መጠነ-ሰፊሕ ልምምድ ስርሒት ኲናት ተካይድ። 2 ፖሊስ ሽወደን ንዝተነቐፈሉ ቁጽጽር ዶባት ከማሓይሽ እየ ኢሉ።

Read More »

6 የካቲት ሃገራዊ መዓልቲ ሳመር እዩ።

6 የካቲት ሃገራዊ መዓልቲ ሳሚ ተባዒሉ ውዒሉ።። በዚ ዕለት እቶም ብሸነኽ ሰሜን ካብ ኖርዌይ ክሳብ ሩስያ ተዘርጊሖም ዝርከቡ ደቀባት ህዝብታት ተዘኪሮምን ተባዒሎምን ይውዕሉ። ሽወደን ሃገራዊ ጒባኤ ሳሚን ንዕኡ ዝጽንብልን መደበር ሬድዮ ኣለዋ። እንተኾነ ግና ሜላን ልምድን መንብሮ ሳሚ ዛጊት ዝግብኦ ሓለዋ ይግበረሉ የሎን እዩ ዝበሃል። ዋላኳ ቀንዲ ደራኺት እቲ ውዕል ባዕላ እንተነበረት ሽወደን ዛጊት ከታሚት ናይቲ ኣብ 1991 ዝጸደቐ ውዕል …

Read More »

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ክሳብ 2024 ሚእቲ ሽሕ ስራሕ ክደሊ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝመጻ ሒደት ዓመታት ኣብ መዳይ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ዓብዪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ክገጥሞ ምዃኑ ተገሊጹ”ሎ። እዚ ኲነታት ብኣግኡ እንተዘይተቐዪሩ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እዚ እተጠቕሰ ሞያ ዘለዎም ሰባት ክሳብ ዓመተ 2024 ክሰኣኑ ምዃኖም ብፍላይ ድማ መዳያት ጥዕናን ማሕበራዊ ትምህርትን በዚ ክህሰያ እየን ክብል እቲ በዓልመዚ ገሊጹ’ሎ። ካልእ በዚ ኣዝዩ ዝጽሎ ጽላት ክፍሊ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ቀረብ ሞያ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com