Friday , May 3 2024

ገበን

ኣብ ልዕሊ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ፡ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙ

ትማሊ፡ ሰዓት 8፡45 ምሸት፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ስቶክሆሎም ዝርከብ፡  ሮግስቬድ (Rågsved) ዝተባህለ ኣከባቢ፡ ዘይተፈልጡ ሰባት፡ ንሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ፡ ብጭካነ ከም ዝተጋሰሱዋ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ቤተ ሰብ ናይታ ግዳይ ዝኾነት ቆልዓ፡ ናብ ፖሊስ ደዊሉ ከምዝሓበረን እታ ቆልዓ ድማ ናብ ሆስፒታል ከምተወስደትን ኣብ ርእሳ ሓደገኛ ዘይኮነ ማህረምቲ ከምዘጋጠማን ወሃቢት ቃል ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ካሪና ሻገርሊንድ፡ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ኣከባቢ፡ ተክኒካዊ …

Read More »

ኣብ ማልመ ዝርከባ መዘናግዒ ቦታታት፡ ተቐጺዐን ተባሂሉ

ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ኣብ ከተማ ማልመ ዝርከባ ቤት መግብታት፡ ባራትን እንዳ ሻሂታትን ልዕሊ እቲ ፍቑድ ብዝሒ ሰባት ብምእንጋደን ኣደዳ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ኮይነን ክብል ምምሕዳር ኣከባቢ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ። ኣብዘን ዝተጠቕሳ መዓልታት፡ ካብቶም ዝተኻየዱ 50 ናይ ምቁጽጻር ስርሒታት፡ 9 ጥራይ ሕጊ ዝጠሓሳ ተረኺበን። ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ ምምሕዳር ኣከባቢ፡ ኣስታት 810 ናይ ምቁጽጻር ስርሒታት ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም 80 ዝኾኑ …

Read More »

ሓደገኛ ጎሓፍ፡ ካብ ሽወደን ናብ ፖላንድን ቡልጋርያን ተላኢኹ

ሓደገኛ ጎሓፍ ናይ ባተሪታት፡ ካብ ሽወደን ናብ ፖላንድን ቡልጋርያን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ከምተላእከ ብሬድዮ ሽወደን ዝተኻየዱ መርመራታት ኣቃሊዖም። ኣብ ትሕቲ መሸፈኒ ናይ ባትሪ፡ ንደቂ ሰባት፡ እንስሳታትን ኣከባብን ሓደገኛ ዝኾኑ ማንጋኔዝን ዚንክን ዝበሃሉ ባእታታት ዝሓዘ ጸሊም ካርታመ ይርከብ። ናይ ባትሪ ጓሕፍ፡ ከም ሓደገኛ ጓሓፍ፡ ተባሂሎም ዝተመደቡ እዮም። ናብ ካልእ ሃገር ክትሰዶም ኣብ ትምድበሉ እዋን ድማ፡ ፍቓድ ክህልወካ ይግባእ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ …

Read More »

ኣብ ኦሽታ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ተረኺቡ

ሎሚ ሰዓት 1 ወጋሕታ፡ ኣብ ኦሽታ (Årsta) ስቶክሆሎም፡ ኣብ ዝርከብ ቢንቶ፡ ሓደ ብደም ጠልቅዩ ዝወደቐ ሰብ ዝርኣየ ሓላፊ መንገዲ፡ ናብ ፖሊስ ከምዝደወለን ፖሊስ ድማ ተቐላጢፎም ናብቲ ቦት ከምዝበጽሑ መርበብ SVT ሓቢሩ። ፖሊስ፡ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጻሕሉ እዋን፡ እቲ ብደም ዝጠልቀየ ሰብ ሞይቱ ከምዝረኸቦ ሓቢሩ። ኣብ ኣካላት ናይቲ መዋቲ ብዙሕ መጉዳእቲ ብምርካቡ፡ ፖሊስ፡ ቅትለት ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታቱ ገሊጹ። ኣብ ከባቢ ሰዓት …

Read More »

ምስጢራዊ ጸብጻብ ፖሊስ፡ 4 ፖለቲካኛታት፡ ምስ ስድራቤታዊ ገበነኛ መርበባት፡ ርክብ ከምዘለዎም ገሊጹ

ምስጢራዊ ጸብጻባት ፖሊስ ከምዝሕብሮ፡ 4 ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝሰርሑ ፖለቲከኛታት፡ ምስተን ብስድራ ቤታት ዝምራሓ ገበናውያን መርበባት ርክብ ከምዘለዎም ተፈሊጡ። እዞም ኣርባዕተ ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ፖርላማ ሽወደን ኮይኖም፡ ክልተ ወከልቲ ሰልፊ ሞደራትና ዝነበሩ፡ ሓደ ወኪል ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ዝነበረን ሓደ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ወኪል ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትስ ዝኾነ፡ ሮበርት ሃሊቭ፡ እዮም። እዞም ፖለቲከኛታት ኣብ ዝወስድዎ ውሳኔታት፡ ረብሓ ናይዘን መርበባት እናሓለዉ ከምዝኸዱ፡ …

Read More »

ፖሊስ ማልመ፡ 40 ሰባት ካብ ኣባልነት ናይ ገበናዊ ጉጅለታት ንኽእለዩ ድልየት ከምዘለዎም ይገልጹ

40 ዝኾኑ ኣባላት ገበናዊ ጉጅለታት፡ ካብተን ጉጅለታት ክእለዩ ድልየት ከምዘለዎም ምግላጾም፡ ፖሊስ ማልመ፡ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ TT ኣቃሊሑ። ካብ 2018 ጀሚሩ፡ ቤት ምኽሪ ከተማ ማልመ፡ መንእሰያት ካብ ገበናውያን ጉጅለታት ንኽናገፉ፡ ብስም “ቶኽሲ ደው ኣብሉ” ዝፍለጥ፡ ጎስጓስ ከካይድ ምጽንሑ ይዝከር። እቲ ናይ ጎስጓስ መስርሕ፡ ናብ 132 ኣብ ገበናዊ ጉጅለታት ከም ዝነጥፉ ዝንገረሎም ሰባት ከምዝበጸሐን፡ እቶም 40 ካብተን ጉጅለታት ክእለዩ ከምዝደልዩ …

Read More »

ኣባላት ገበናዊ መርበብ ተባሂሉ ዝንገረሎም፡ 12 ሰባት፡ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም

ኣባላት ናይታ ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ከባቢ ቮርቦሪ፡ እትርከብ ገበናዊት መርበብ፡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ ዝንገረሎም 12 ሰባት፡ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ኣለዉ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣኽባሪ ሕጊ፡ ነዛ ገበናዊት መርበብ፡ ብገበናት መሸጣ ዕጸ-ፋርስን ብንግዲ ደቂ ሰባትን ክሲ ኣቕሪቡላ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። ሓላቓ ናይዛ መርበብ ምዃኑ ዝንገረሉ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ በዞም ገበናት እንተ ተኸሰሰ፡ ንሱ ግን ነዚ ክሲ ከምዘይቅበሎ ገሊጹ …

Read More »

ኣባል ሰልፊ SD ዝኾነ ፖለቲከኛ ካብ መዝነቱ ንኽእለ ተገዲዱ

ሓላፊ ጉጅለታት ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና ከተማ ሃኒኘ (Haninge)፡ ዴኒስ ኣሽሊንግ፡ ካብ ኩሎም ፖለቲካዊ ጽፍሕታት ክሰናበት ተገዲዱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ዓሌታውን ንናይ ናዚ ኣተሓሳስባ ዝድግፍ መርገጺኡን ዝገልጽ ኣብ ዓመተ 2017 ምስ ካልአዩ ብምስጢር ዝገበሮ ርክብ፡ ብጋዜጣ ኤክስትረሰን ድሕሪ ምኽሽሑ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም። እዚ ፖለቲከኛ፡ ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ዘለዎ ሰብ እዩ። እቲ ዝገርም ድማ፡ ኣብ ዋጋ 50 ሽሕ ክሮን ዝሽልማታ …

Read More »

ኣባል SD ዝኾነ ፖለቲከኛ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ሒዙ ብምጽንሑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

ኣባል ሰልፊ SD ን ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ስቶክሆልም ዝኾነ ፖለቲከኛ፡ ዘይሕጋዊ ኣጻዋር ሒዙ ብምጽንሑ፡ ፖሊስ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ገዛ እዚ ፖለቲከኛ፡ ፖሊስ፡ እንተዋሓደ ሓደ ብረት ከምዝረኸበ ሓቢሩ ክብል ጋዜጣ ዳጊንዝ ኒሂተር ኣረጋጊጹ። ቤት ፍርዲ፡ ትማሊ ምስቲ ፖለቲከኛ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣቱ ገይሩ። እዚ ፖለቲከኛ፡ ኣብዛ ቤት ፍርዲ ንነዊሕ ዓመታት ስለዝሰርሐ፡ ጉዳዩ ናብ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ገንዘባዊ ምትላል ተፈጺሙ

ኣብ መዓላ ፈስቲቫል መንእሰያት ንክውዕል፡ ብምምሕዳር ሻርሆልመን፡ ተመዲቡ ዝነበረ ልዕሊ 1 ሚልዮን ክሮን፡ ኣብ ወጻኢታት መገሻን ሆቴላትን ብምውዓል ናይ ምትላል ፍጻሜ ከምተኻየደ ኣፍቶንብላደት ኣቃሊሑ። ምምሕዳር’ቲ ከባቢ፡ ኣብ ዓመተ 2018 ን 2019፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ክሮን ንኣወሃሃዲት “ፈስቲቫል 127” ዝተባህለ ናይ መንእሰያት ፈስቲቫል ዘዳለወት ማሕበር ሂቡ ከምዝነበረ ይዝከር። ብመሰረት ጸብጻብ መርመራታት ፖሊስ፡ ካብቲ ዝተዋህበ ገንዘብ፡ 1 ሚልዮን ክሮን ዝኸውን ኣብ ውልቃዊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com