Friday , May 17 2024

ፖሎቲካ

ብሰንኪ ሕማም ኣንደርሶን፡ እቲ ክትዕ፡ ንኻልእ እዋን ተሰጋጊሩ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸወደን፡ ማግዳሊን ኣንደርሶን፡ ክሳብ ሕጂ ምልክታት ሕማም ኮቪድ ተርእይ ከምዘላ ተፈሊጡ። እዚ ብምዃኑ ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ TV4 ንሎሚ ሰኑይ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ናይ መራሕቲ ሰልፊታት ክትዕ ተሰሪዙ ናብ ካልእ እዋን ከምዝሰጋገር ዝኾነ ክትብል ወሃቢት ቃል መንግስቲ ሽወደን፡ ዳሪና ኣቓ፡ ዝገለጸት ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። TV4፡ እቲ ናይዚ ዓመት ናይ መጀመርታ ናይ መራሕቲ ክትዕ ኣብ ተሌቪዥን ከመሓላልፍ …

Read More »

ሚኒስተር ብሪጣንያ: ኲናት ኢትዮጵያ ክውዳእ ሓቲታ

ኣብ ብሪጣንያ ሚኒስተር ጒዳያት ኣፍሪቃ: ቪኪ ፎርድ: ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተራኺባ: እታ ሃገር ተካይዶ ዘላ ኲናት: ደው ክብል ጻውዒት ምቕራባ ተገሊጹ። ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ምብጻሕ ምኽንያት ጌራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበጽሐት እታ ሚኒስተር: እቶም ኣብ ኲናት ኣትዮም ዘለዉ ወገናት: ኣብቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝመርሖ ናይ ሰላም ተበግሶ ክጽንበሩ ድሕሪ ምሕታት: ንመስርሕ ሰላም ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ’ላ። ንሳ: ብኲናት ንዝተሃስዩ …

Read More »

ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ዋጋ ናይ ናፍታ ከውርዶ ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ

ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራተና፡ ነቲ መስርሕ ምትሕውዋስ ናይ ባዮፉውል ምስ ናፍታ ዝምልከት ረቛሒታት ክንክዮ ድሌት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሰልፊ ዋጋ ናይ ናፍታ ‘ኣዝዩ ከቢሩ ኣሎ’ ዝብል እምነት ኣለዎ። “ፈጺምና ክንጻወሮ ኣብ ዘይንኽእል ኩነታት በጺሕና ኣለና። ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ እንዳ መዐድሊ ነዳዲ ኣጋጢሙ ዘሎ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ናይ ነዳዲ ተሃስዮም ኣለው” ክትብል ኤባ ቦሽ፡ መራሒት …

Read More »

Harmony Media News 21/01/2022

Read More »

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣጽዋርና ናብ ዩክሬይን ክንሰድድ ንኽእል ኢና ክብል የተሓሳስብ

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዘመናዊ ዝኾኑ ኣጽዋር፡ ናብ ዩክሬይን ንኽስደድ ንሃገራት ባልቲክ ፍቓድ ከምዝሃበተን ተገሊጹ። እዚ ዝተገልጸ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝገበሮ መገሻ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ብዝነበሩ ሰብ መዚ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ናይ ሃገረ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ዲፕሎማት፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ትገብሮ ዘላ ምፍርራሓት ንኸህድእ ብዝብል ዕላማ፡ ንሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምብጻሕ …

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና፡ ሕጋዊ ወረቐት ናይ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓበሬታ፡ ክባጻሕ ኣለዎ ይብል

ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሕጋዊ ወረቐት ዘይብሎም ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ናታቶም ሓበሬታ፡ ናብ ኩለን መንግስታውያን በዓል መዚ ንኽባጻሕ ምእንቲ፡ እቶም ነዚ ዝቕይዱ ናይ ብሕታውነት ሕግታት ክልወጡ ድሌት ከምዘለዎ ሰልፊ ሞደራትና ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዕላማ ናይዚ ለውጢ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝነብሩ ኩሎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብዛዕባ ሃለዋቶም ዘድልይ ሓበሬታ ናብ ኩለን ኣብያተ መዚ መንግስቲ ንክባጻሕ ዝብል ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ኣብዚ …

Read More »

ኣመሪካን ሩስያን ብጒዳይ ዩክሬይን ክዘራረባ እየን 

ሩስያ ንዩክሬይን ክትወርር ትኽእል እያ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን: ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ: ኣንቶኒ ብሊንከን: ምስ መዘናኡ ሩስያዊ: ሰርጌይ ላቭሮቭ: ኣብ ጀነቫ ተራኺቦም ክዝትዩ ምዃኖም ተገሊጹ። ሩስያ ንዩክሬይን እንድሕሪ ወሪራ: ከቢድ ሳዕቤናት ክወርዳ ከም ዝኽእል: ብሊንከን: ትማል ሓሙስ ን ሞስኮ መጠንቀቕታ ኣተሓላሊፉ ኔሩ እዩ። ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን 100 ሽሕ ዝኸውን ወተሃደራት ኣጸጊዓ እኳ እንተሃለወት: ነታ ሃገር ናይ ምውራር ውጥን …

Read More »

ንደገፍ ዕዮ-ሓርነት ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝውዕል 25 ሚልዮን ክሮኑር ተሰሊዑ

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ምስ ክብሪ ዝተሓሓዘ ጎነጽን ጭኮናን ልዑል ኣተኩሮ ብምግባር፡ ዕዮ-ሓርነት ደቂ ኣንስትዮ ንምምዕባል፡ ናይ 25 ሚልዮን ክሮነር ዝኸውን ገንዘብ ንምምሕዳራትን ዞባታትን ሰሊዑ ምህላዉ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ገንዘባዊ ደገፍ፡ ናብቲ ኣብ ምምሕዳራትን ዞባታትን ብዛዕባ ጾታዊ ኣተሓሳስባ ዝካየድ ስራሕ ዝወዕል ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዓመተ 2022፡ ኣብ ጥቕሚ ክወዕል ምዃኑ ውን ብተወሳኺ ተሓቢሩ፡፡ ሚኒስተር ጾታን ማዕርነትን …

Read More »

ሰለስተ ናይ ሩስያ መራኽብ፡ ኣብ ካቴጋት፡ ዓሺገን

ካብተን ብሰሉስ ካብ ባሕሪታት ባልቲክ (Baltic Sea) ዝተበገሳ፡ 6 መራኽብ ናይ ሩስያ፡ እተን 3፡ ኣብ ካቴጋት ዝዓሸጋ ጸብጻባት ሓልይልታት ምክልኻል ሽወደን ይገልጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ኽገብራ ዝተገደዳ ምናልባት ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተራእየ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፣ ማዕበልን ንፋስን ክኸውን ከምዝኽእል ምንጭታት ይሕብሩ። ምንቅስቓስ ናይተን መራኽብ ንከታተል ኢና ዘለና። ምስ ጎረባብትና ኮነ ምስ ካልኦት ማሓዙት ሃገራት ጽቡቕ ምርድዳእ …

Read More »

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኢትዮጵያ ንኢዱ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ ድሕሪ ናይ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኲናት ሕድሕድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንሰላም ዝኸውን ኣንፈታት ይረአ ምህላዉ ሓቢሩ። ንሱ፡ ንጻዕርታት ሰላም ኣመልኪቱ ምስ ዋና ልኡኽ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ፡ ከም እተዘራረበ ገሊጹ። ሚስተር ኦባሳንጆ፡ ምስ ሰብ መዚ ፈደራልን ህወሓትን ክራኸብ ጸኒሑ’ሎ። በዚ ድማ ዋና ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ እዚ ጒዳይ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ፍታሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com