Monday , April 29 2024
KD wants to bring down the price of diesel Foto: Claudio Bresciani / TT / Kod 10090

ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ዋጋ ናይ ናፍታ ከውርዶ ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ

ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራተና፡ ነቲ መስርሕ ምትሕውዋስ ናይ ባዮፉውል ምስ ናፍታ ዝምልከት ረቛሒታት ክንክዮ ድሌት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ ሰልፊ ዋጋ ናይ ናፍታ ‘ኣዝዩ ከቢሩ ኣሎ’ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ፈጺምና ክንጻወሮ ኣብ ዘይንኽእል ኩነታት በጺሕና ኣለና። ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ እንዳ መዐድሊ ነዳዲ ኣጋጢሙ ዘሎ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ናይ ነዳዲ ተሃስዮም ኣለው” ክትብል ኤባ ቦሽ፡ መራሒት ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራተና ሓቢራ።
ቁጠባ ናይ ህዝብና ኣብ ሓደጋ ከየእተና ነቶም ናይ ክሊማ ሸቶታትና ከነሳኽዖም ይግባኣና።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ዋጋ ናይ ናፍታ ትሕቲ 21 ክሮኖር ንሓደ ሊትሮ ዝነበረ ሓሙስ መዓልቲ ከምዝተራእየ ቅድሚ ሕጂ በጺሑዎ ዘይፈልጥ ናህሪ ዋጋ ተመዝጊቡ። እቲ ዋጋ ካብ ፈለማ እዚ ዓመት ጀሚሩ ብዝተወሰነ መልክዕ ብሰንኪ እቲ ናይ ‘ምንካይ ግዴታ’ (reduction obligation) እንዳወሰኸ ከም ዝመጸ ዝፍለጥ’ዩ።
እዚ ናይ ምንካይ ግዴታ፡ ዝተወሰነ መጠን ናይ ባዮፌውል ምስቲ ቤንዚንን ናፍጣን ክሕወስ ዝጠልብ ረቛሒ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ረቛሒ ቀስ ብቐስ ክሳብ 2030 ክውስኽ ክግበር እዩ።
እቲ ናይ ምንካይ ግዴታ ናይ ናፍታ ኣብዚ ሕጂ እዋን 30.5 % ክኸውን ከሎ፡ ብዓመተ 2030 ክብ እንዳበለ ክኸይድ እዩ። ሕጂ ክሪስ ዲሞክራተና፡ ነቲ ቤንዚንን ናፍታን ብዝምልከት ናይ ሽወደን ሃገራዊ ሸቶ (Sweden’s national target) ናይ ምንካይ ግዴታ ኣብ ዓመተ 2030 ናብ 14% ክወርድ ድሌት ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።
ከም KD እንተኾይኑ፡ እዚ ማለት ኣብቲ ሕጂ ዝርአይ ዘሎ ዋጋታት ናይ ነዳዲ ብ3 ክሮኖር ክንክይ ምግባር ማለት ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ናይ ቤንዚን ናይ ምንካይ ግዴታ ኣብዚ ሕጂ እዋን 7.8% እዩ ዘሎ።
ኣብ ዓመተ 2030 ንኽልቲኡ ቤንዚንን ናፍታን ናይ 14% ሸቶ ምሓዝ ማለት ምስቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሳነ ረቛሒታት ማለት ምዃኑ እያ ቡስክ ተረድእ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com