Monday , April 29 2024

ሚኒስተር ብሪጣንያ: ኲናት ኢትዮጵያ ክውዳእ ሓቲታ

ኣብ ብሪጣንያ ሚኒስተር ጒዳያት ኣፍሪቃ: ቪኪ ፎርድ: ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተራኺባ: እታ ሃገር ተካይዶ ዘላ ኲናት: ደው ክብል ጻውዒት ምቕራባ ተገሊጹ።

ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ምብጻሕ ምኽንያት ጌራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበጽሐት እታ ሚኒስተር: እቶም ኣብ ኲናት ኣትዮም ዘለዉ ወገናት: ኣብቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝመርሖ ናይ ሰላም ተበግሶ ክጽንበሩ ድሕሪ ምሕታት: ንመስርሕ ሰላም ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ’ላ።

ንሳ: ብኲናት ንዝተሃስዩ ወገናት ዝኸውን ናይ 12 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከተወፊ ምዃና ተመባጺዓ’ላ። ካብ በሰላ ኲናት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ጻዕሪታት ተራ ክትጻወት ድሌት ከም ዘለዋ ወሲኻ ሓቢራ’ላ።

ኣብ ኢትዮጵያ: ካብ 4 ሕዳር ናይ ዓመተ 2020 ጀሚሩ: ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሰራዊት ትግራይን ብሰንኪ እተኻየደ ኲናት: ኣሽሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ብሚልዮን ዝቚጸሩ ድማ ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን ካብታ ሃገር ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com