Saturday , May 18 2024

ፖሎቲካ

ናይ ገዛእ-ርስኻ መልዕሎ፡ ባዕልኻ ምርኣይ ከም ዝከኣል ተሓቢሩ

ካብ ሎሚ ጀሚሩ እቲ ካብ ጥሮታ (መልዕሎ) ናይቲ ዝመጽእ ዓመት ትወስዶ ናይ መልዕሎ ክፍሊት መወዳእትኡ ክንደይ ከም ዝኸውን ኣቐዲምካ ብልክዕ ምፍላጥ ከም ዝከኣል ተሓቢሩ፡፡ እታ ነዚ ዝጸብጻብ ዘቕረበት ሬድዮ P4 ኖርቦተን ድማ ኣቃልቦ ሰባት ትስሕብ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ትካል መልዕሎ ሽወደን ንኽኣትዉ ዝምዝገቡ ሰባት እቲ ናይ መወዳእታ ኣሃዝ ብመንገዲ ኢንተርነት ክረክቡዎ ከምዝኸሉን እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ …

Read More »

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ: ብዙሓት ጒዕዞታት ይስረዙ

ምስ ለበዳ ኮቪድ ብዝተተሓሓዘ: ብደረጃ ዓለም: ዝያዳ ምስራዝ ጒዕዞታት ከም እተገብረን በዚ ድማ ኣሽሓት ሰባት ናይ በዓል ውጥናቶም ከም እተኣጓጐለን ተፈሊጡ። ሎሚ ሰኑይ ጥራይ ብፍላይ ናብ ቻይናን ኣመሪካን ተሓሲቡ ዝነበረ 1300 ጒዕዞታት ከም እተሰረዘ ነዚ ጒዳይ ዝከታተል The Flight Aware ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ምትእጒጓል ጒዕዞ: ብምኽንያት ኣባላት በረራ: ተሰከምቲ ናይቲ ሕማም ኮይኖም ብምርካቦምን ኣብ ውሸባ ስለዘለዉን ምዃኑ: መንገዲ …

Read More »

ኣብ ሩስያ፡ መርበብ ሓበሬታ፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተዓጽዩ

ሩስያ፡ OVD-Info ዝባሃል ብዛዕባ ፖለቲካዊ ግፍዕታትን ብሃውሪ ብዛዕባ ዝውሰዱ ናይ ቀይዲ ስጉምቲታትን ዝስንድ ናይ ሓበሬታ መርበብ ከምዝኣገደት ተገሊጹ። ከምቲ ትካል እንድሕር ኮይኑ፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ቅድም ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ክእገድ ዝተገብረ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብዕለት 20 ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓደ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ቤት ፍርዲ እዩ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ንኽዕጾ ዝወሰነ ክብል ኢንተርፋክስ ዝተባህለ ናይ ሩስያ ዜናዊ …

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃውያን: ብሞት ደዝመንድ ቱቱ: ሓዘኖም ይገልጹ

ብምኽንያት እቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት እተፈልየ መራሒ ቃልሲ ጸረ ኣፓርታይድ: ሊቀጳጳስ ደዝመንድ ቱቱ: ደቡብ ኣፍሪቃውያን ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ሓዘን ፕሮግራም ምድላዎም ተገሊጹ። ባሕቲ ጥሪ ኣብ ከተማ ኬፕታውን ግብኣተ መሬቱ ክፍጸም ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ፕሮግራም: ሬሳ ቱቱ ንኽልተ መዓልታት ናይ ክብሪ ምብጻሕ ክፍጸመሉ ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ን ጳጳስ ፍራንሲስ፥ ጆ ባይደንን ንግስቲ ኤልሳቤጥን …

Read More »

ትራምፕ፡ ሰነዳቱ ከዕቀበሉ፡ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይሓትት

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ብ 6 ጥሪ ኣብ ዋሽንግተን ዘጋጠመ ፍጻመ ንኽምርምር  ቤት-ምኽሪ ዝጠለቦ ሰነዳት ውሕስነቱ ከዕቀበሉ ንላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ሓቲቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ገለ ካብኡ፥ እቶም ናይ ቀረባ ተሓጋገዝቲ`ቲ ፕረዚደንት ነበር ብፕረዚደንት እተዋህቦም መዘኻኸሪታት ናይ ዋይት ሃውስ ጋዜጣዊ መግለጺ ጸሓፊ መዘኻኸሪታትን ከምኡ ውን እቲ ዝነበረ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ቀቅድሚ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ምኽሪ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ዓለም . . . 2ይ ክፋል . . . ሽወደንን ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምምስራቱ፡ ሓደ ዓመት ጸኒሓ፡ ሽወደን፡ ኣብ ዓመተ 1946፡ ኣባል ናይዚ ውድብ ክትከውን በቒዓ። ካብቲ እዋን እቲ ጀሚራ ድማ ሸወደን፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እተካይዶ ንጡፍ ተሳትፎ፡ ከም ቀንዲ ኣገዳሲ ባእታ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ገይራ ትቕጽል ኣላ። መንግስቲ ሽወደን፡ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝግበር ምትሕግጋዝ፡ ካብ ባይቶ ሽወደን፡ ዓቢ ድጋፍ ዝረክብ ኮይኑ፥ ኣብ ናይ ዓለምለኻዊ መድረኻት ብዛዕባ …

Read More »

ሱዳን፡ ሓደሽቲ ተቓውሞታት ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ  

ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ኣብ ዋና ከተማ ናይ ሱዳን፡ ካርቱም፡ ኣብ ልደት መዓልቲ፡ ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ ዘቐንዐ ተቓውሞ ንምግባር ተኣኪቦም፡ እቶም ወታሃደራት “ናብ መዓስከራቶም ንኽምለሱ” ኮምኡ ድማ እቲ ስርዓት ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንኽምለስ ጸዊዖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓይልታት ጸጥታ፡ ናብቶም ባንዴራ እንዳ ኣምበልበሉ፣ ከብሮ እንዳወቕዑን ጭርሖታት እንዳስመዑን ወጽዮም ዝቃወሙ ዝነበሩ ሰባት፡ መንብዒ ጋዝ ብምንጻግ ክብትንዎም ከምዝፈተኑ ተሓቢሩ’ሎ። …

Read More »

ማሊ፡ ሩስያውያን ዕሱባት፡ ኣብ ሃገረይ የለውን ክትብል ክሒዳ

ናይ ማሊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ነቲ ምስቲ ጸይቀ-ዕሉል ጉጅለ ዋግነር ርክብ ዘለዎም ሩስያውያን ዕሱባት ኣብ ሃገራ ከምዘለው ዝወጸ ጸብጻብ፡ ‘ኣሉ’ ክትብል ምኽሓዳ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ዝተባህለ፡ ኣብ ማሊ፡ ወታሃደራዊ ህልውና ዘለወን ከም ካናዳ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ሽወደንን ዝኣመሰላ 15 ምዕራባውያን ሃገራት ንንጥፈታት ናይ ጉጅለ ዋግነር ዝኹንን ክታመን ዘንበርራሉ መግለጺ ድሕሪ ምውጽአን እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ሩስያ …

Read More »

ደለይቲ ስራሕ፡ ብናይ ርሕቀት ስራሕ ይማረኹ

ብርክት ዝበሉ ወሃብቲ ስራሕ፡ ንደለይቲ ስራሕ፡ ናይ ርሕቀት ስራሕ ዝሰርሑሉ ዕድላት እንዳ ፈጠሩ ከም ዝመጹ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን 6.2% ዝኸውን ናይ ስራሕ ዕድላት ናይ ርሕቀት ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ብዓለም ደረጃ ተፈጢሩ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ካብ ዝነበረ መጠን፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት ሓደ ኢንዲድ (Indeed) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለምለኻዊ …

Read More »

ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ማሊ ንዝተዋፈረ ዕሱብ ሰራዊት ሩስያ ኮኒነን።

ፈረንሳን 15 ኣውሮጳውያን መሻርኽታን ካናዳን ነቲ ኣብ ማሊ ክዋፈር ዝዳሎ ዘሎ ዕሱብ ሓይሊ ሩስያ ኮኒነን። ንሳተን እዚ ሓይሊ ነቲ ብሰንኪ ምንቅስቓስ ጂሃድ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ሕማቕ ጸጥታዊ ኲነታት መሊሱ ዘጋድ ክኸውን እዩ ክብላ ነቲ ፍጻሜ ገሊጸንኦ ኣለዋ። እዚ ዕሱብ ሰራዊት፡ ካብ ሞስኮ ሓገዝ ከም ዝገብረሉ ብምጥቃስ፡ እዘን ምዕራባውያን ሃገራት ንመንግስቲ ሩስያ ከሲሰን ኣለዋ። ሩስያ ብወገና ምስዚ ብሕታዊ ወተሃደራዊ ኲባንያ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com