Saturday , May 18 2024

ምክልኻል ኮረና

ሽወደን፡ ነቶም ካብ ብሪጣንያ ዝመጹ ገያሾ፡ ናብ ሃገራ ምእታው ከልኪላ

ሰብመዚ ሽወደን፡ ነቶም ብሰንበት ካብ ብሪጣንያ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ላንድቪተር ዝኣተዉ ብርክት ዝበሉ ገያሾ ናብ ሽወደን ከይኣትዉ ምኽልካሎም ንጋዜጣ ሎካል ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። እቶም ዝምልከቶም ሰብ መዚ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ነቲ ብኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ዝቐረበ ምስክር ጥዕና (መርመራ ኮሮና) ናይዞም ገያሾ ከም ዘይቅበልዎ ምስ ተገልጸሎም ገለ ካብቶም ገያሾ፡ በታ ዝመጽዋ ነፋሪት ናብ ማንቸስተር ክምለሱ እንከለው ሓሙሽተ ገያሾ ግን፡ ክሳብ ውጽኢት …

Read More »

ሽወደን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን 100 ሽሕ ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትቅበል እያ።

ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ንክታበት ኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና፡ ጽባሕ ረቡዕ ፍቓድ ክህቦ ትጽቢት ከም ዘሎ ተገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ሽወደን፡ ኣብ ምጅማር ናይ ዝቕጽል ሰሙን 11 ሽሕ ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትቅበል ምዃና ተፈሊጡ’ሎ። ኤውሮፓዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ነዚ መድሃኒት ብሰኑይ ፍቓድ ክህቦ እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበረ እቲ ኤጀንሲ ብምሸቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ውሳኔኡ ከም ዝወንዘፎ ገሊጹ። ኣብ መንጐ ኣባላት ሃገራት ይኹን ክኢላታትን …

Read More »

ንካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ብዝምልከት፡ ብዛዕባ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ጎስጓስ ከድሊ እዩ ተባሂሉ

ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ነቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ዕላማ ዝገበረ ጎስጓስ ብዛዕባ ክታበት ጸረ ኮሮና ክጅመር ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ገሊጹ። ብምልኡ ሕብረተ ሰብ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ኣብ ምውሳድ ክሳተፍ ይግባእ። ስለዝኾነ ድማ፡ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታታት ኣቢሉ፡ ነቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ሓበሬታታት ከምዝበጽሖም ክንገብር ከድልየና እዩ ክብል፡ ቲግኒል፡ …

Read More »

ሓንቲ ምምሕዳር ሽወደን፡ ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ መድረኽ ትግባር ተውዕል

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዮንሾፒን፡ ዝርከብ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና፡ ብጻዕቂ ሕሙማት ኮሮና ተጨኒቑ ስለዘሎ፡ ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ንኣባላት ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ዝምልከት ስምምዕ ኣብ መድረኽ ትግባረ ከብጽሕ ከምዝተገደደ ተሓቢሩ። ምምሕዳር ከባቢ ዮንሾፒን፡ ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ተባሂሎም ክውሰዱ ዝግበኦም ስጉምታት ብምልኦም ድሕሪ ምውሳዱ፡ ኣብዚ ሕጂ በጺሑ ዘሎ መድረኽ ንኽበጽሕ ተገዲዱ ኣሎ። እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ፡ ነቶም ኣባላት ህዝባዊ ጥዕና ዝምልከት …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ብቐዳማይ ደረጃ ክታበት ጸረ ኮሮና ክወሃቦም ዝግባእ ክፋል ሕብረተሰብ ብዝምልከት ዘተ ይካየድ ኣሎ

ክሳብ ሕጂ፡ ሽወደን፡ 100 ሽሕ ዝኸውን ክታበት ጸረ ኮሮና ተረኪባ ከምዘላን፡ ኣብ መዓላ ንሽማግለታትን ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብን ክውዕል ምዃኑን ተፈሊጡ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ብቐዳምነት ንኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና እንተዝወሃብ ኣይምሓሸን’ዶ ዝብል ሞጎተ ተላዒሉ ኣሎ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ንሽማግለታትን ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብናን ብቀዳማይ ደረጃ ምሃብ ኣብ ስነምግባር ዝተሞርከሰ እዩ ክብል ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት …

Read More »

ህጹጽ ናይ እዋን ለበዳ ሕጊ ካብ 10 ጥሪ ንደሓር ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

ሰልፊታት ፖለቲካን ኣካላት ኣብ ቀረባ እዋን ሕጊ ለበዳ ካብ ጥሪ ክሳብ መስከረም 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ትግባረ ክውዕል እማመታት የቕርባ ምህላወን ተገሊጹ። እዚ ሕጊ ናይ ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት፣ ኣገልግሎት ሰዓታት ክቈጻጽር ናብ ሞላትን ዱካውንቲን ዝግበር ምብጻሕ ዓማዊል ክውስንን ብዝሒ ለበዳ ዘአንግዳ ንግዳዊ ትካላት ክዕጸዋን ክገብር እዩ። እዚ ማለት ነዚ ሕጊ ክስዕባ ዘይፈትዋ ናይ ብሕታውያንን ትካላትን ብገንዘብ ክቕጽዓ ምዃነን ዩኒቨርሲቲ …

Read More »

ሽወደን ካብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ዘበሉ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ጠሊባ።

ካብ ባሕቲ ጥ ሪ ንደሓር ካብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ካብ ሕማም ኮሮና ናጻ ምዃኖም ዘርኢ መርመራ ክገብሩ r ከገድድ oምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። Tእዚ መርመራ ቅድሚ 72 ሰዓትት ምስንባት ዝተገብረ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ hብዘይካዚ እቲ ተጓዓዛይ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ምፍላይ ከም ዝገበረ ከመልክት ከም ዝግባእ ብንጹር ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ሕጊ ንዜጋታት ሽወደን ዘይምልከት ኮይኑ ንሳቶም ካብ ብሪጣንያ እትው እንክብሉ እቲ …

Read More »

ኣብ ካልኣይ ገጽ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ሓደስቲ ጒጅለታት ክኽተቡ እዮም ተባሂሉ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ካልኣይ ኣርባዕተ ገጻት ፕሮግራም ክትባት ጸረ ኮሮና ክካየድ ምዃኑን ኣብዚ ድማ ልዕሊ 70 ንዝዕድሜኦም ሽማግለታት ሸቶ ዝገበረ ከም ዝኸውን ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። ኣብዚ ግዜዚ ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ዝቕመጡን ሰራሕተኛታት እዘን ትካላትን እዚ ክታበት ክወስዱ ይግበር ምህላዉ ድማ ተፈሊጡ። ኣማኻሪን ዋና ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ኣገልግሎት ምውሃብ ክትባት ክሳብ ሕጂ ብጽቡቕ ይሰላሰል ምህላዉ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrinya 30 December 2020

አርእስተ ዜና 1. ብሓድሽ ሕጊ ለበዳ ሽወደን፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዝለዓለ ስልጣን ረኺቡ። 2. ኣብ ሽወደንን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ክታበት ኣንጻር ክሮና ቫይረስ ከምዝተኸተብካ ዘረጋግጽ ሰነድ ኣብ ናይ ምገሻ ቅጥዒ ከም ቅድመ ኩነት ክጠቓለል ከምዝኽእል ሰብ መዚ ጥዕና ኤውሮጳ መደብ ኣውጺኦም ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ኣረጋጊጾም። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja Sweden

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ገለ መዓልታት ቅድሚ ክሪስማስ ማእከላት ዕዳጋ በጺሑ ኔሩ ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቴፋን ሉፊን ኣብ 20 ታሕሳስ ኣብ ጋለሪያ ዕዳጋታት ተራእዩ ምንባሩ ተፈሊጡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ክልተ መዓልታት ኣቐድም ኣቢሉ ህዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት ካብ ምብጻሕ ክቚጠቡ ድሕሪ ምትሕስሳቡ ምዃኑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ዜና ሒዛ ዝወጸት ኤክስፕረሰን ዝተባህለት ጋዜጣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቴፋን ሉፊን ኣብቲ ጋለሪያ ዕዳጋ እናሸመተ ዘርኢ ስእልታት እውን ሒዛ ምውጻኣ ተመልኪቱ’ሎ። ኣፈኛ ፕረስ ቀዳማይ ሚኒስተር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com