Saturday , May 4 2024

ምክልኻል ኮረና

ሽወደን፡ ሰሙናዊ ርብዒ ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ንኽትህብ ትዳሎ

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ስሩዕ ኣገባብ ክታበት ብምሃብ ኣብ መላእ ሽወደን፡ ሰሙናዊ፡ ክሳብ ርብዒ ሚልዮን ሰባት ጸረ ኮሮና ክታበት ንኽወግኣ መጽናዕቲ ጀሚረን ኣለዋ። ነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ስሩዕ ዝኾነ ኣገባብ ክታበት ብምድላው፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ክትህብ እያ። እዘን ምምሕዳራት፡ ነዚ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ንምትግባር፡ ስሩዕ ዝኾነ ሎጂስቲካዊ ቀረብ ከድልየን እዩ ክትብል ሓላፊት በዓል መዚ ጥዕና ኣብ ማሕበር ምምሕዳራት ከተማን ምምሕዳራትን …

Read More »

ብናይ ርሑቕ ኣገባብ ኣመሃህራ፡ ክሳብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኖርታላያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ትምህርቲ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ ትምህርቲ፡ ኩለን ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርታት (ካብ 7ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ)፡ ማለት፡ ቤት ትምህርቲ ሩስላግስኩላን (Roslagsskolan)፡ ቤት ትምህርቲ ስቫንቤርያ (Svanberga)ን ቤት ትምህርቲ ሃልስታ (Hallsta)ን ናይ ርሑቕ ኣገባብ ኣመሃህራ ክጥቀማ ምዃነና ሓቢሩ። እዚ ውሳኔ፡ ካብ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 14/01/2021 ተግባራዊ ኮይኑ፡ ክሳብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ ዝጸንሕ …

Read More »

ዜናታት ሃርሞኒ 13/01/2021

Read More »

ኣብ ግሪኽ፡ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና፡ ከም ቀንዲ ቅጥዒ መገሻ ኮይኑ

ሃገረ ግሪኽ፡ ናብታ ሃገር ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝኣትው ገያሾ ፡ ክታበት ኣንጻር ኮርና ቫይረስ ከም ዝተኸትቡ ዘረጋግጽ ምስክር ወረቀት ከም ቀንዲ መእተዊ ቅጥዒ እታ ሃገር ክኸውን ከም ዝወሰነት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ኣቀድም ኣቢሉ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅጥዒ፡ ሓደ ካብ ናይ መገሻ ሰነዳት ክኽውን ኣብ ዝርርብ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እኳ እንተኾኑ፡ ሃገረ ግሪኽ ግን ባዕላዊ ውሳኔ ብምውሳድ ነዚ …

Read More »

Harmony News 11 January 2021

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንዝተናውሐ ምልክታት ለበዳ ኮሮና ንምጽናዕ 50 ሚልዮን ክሮና ይምድብ

መንግስቲ ሽወደን፡ ዝተናውሐ ምልክታት ኮሮና ንምጽናዕ ናይ 50 ሚልዮን ክሮና ከም ዝመደበ ተገሊጹ። እዚ መጠን ገንዘብ፡ ስለምንታይ ገለ ሰባት ንነዊሕ እዋን ምልክታት ሕማም ኮሮና የርእዩን ብኸመይ የጋጥሙን ብኸመይ ክፍወሱ ይኽእሉ ንዝብል ዝውዕል እዩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ ሓድሽ እማመ፡ ኣብቲ ዝተመሓየሸ በጀት ዝጠቓለል ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ብባይቶ ሽወደን ዝውሰን እዩ ክብል ገሊጹ። ማእከል ሕክምናውን ማሕበራውን ገምጋም …

Read More »

ሓድሽ ሕጊ ለበዳ፡ ትማሊ ሰንበት ተግባራዊ ኮይኑ

እዚ ሕጊ ክሳብ 31 መስከረም ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ሕጊ፡ ንመንግስቲ፡ ለበዳ ንምክልኻል ዘኽእሎ ዝያዳ ስልጣን ዝህብ እዩ። ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ መንግስቲ፡ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክውስን፡ መን ኣብ ቤት ክጸንሕ መንከ ኣብ ስራሕ ክወፍር ከም ዝግብኦ ክውስን ከኽእሎ እዩ። ኣብ ኣድላይ እዋናት፡ ቢዝነሳት ምሉእ ብምሉእ ክዓጽው እውን ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ። በዚ ሕጊ ዝጽለዉ ንጥፈታት እዞም ዝስዕቡ እዮም ትያትራት፡ ሲነማታት፡ …

Read More »

Read More »

ቁጽሪ ናይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ መንእሰያት፡ ኣሻቓሊ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ተሓቢሩ

ብዙሓት መንእሰያት፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ከምተሃስዩ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 24 ዓመት ዝርከቡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ መንእሰያት፡ 24.4% ( 143 ሽሕ) ምብጽሑ፡ እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ መንጎ 4 መንእሰያት፡ ሓደ ስራሕ ኣልቦ ዝኾነ መንእሰይ ኣሎ፡ ማለት እዩ ክብል ሬድዮ ኢኮት ነቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሽወደን (SCB) ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቃልሖ ኣጋጣሚ …

Read More »

ቁጽሪ ናይቶም ብሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት፡ ብሓሙሽተ ወሲኹ

ትማሊ፡ ኣብ ሽወደን፡ ሓሙሽተ ሰባት በቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ዝስዕብ ምልክታት ዘርኣዩ ከምተረኽቡ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ መገሻ ንጥፈታት ዘየካየዱ ምንባሮም ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ መላእ ሽወደን፡ በዚ ሓድሽ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ቁጽሮም ናብ 17 ክብ ኢሉ ምህላዉ ጸብጻባት መርበብ ሓበሬታ ኤክስፕረሰን ይሕብሩ። እዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com