Saturday , May 4 2024

ምክልኻል ኮረና

77% ካብ ሽወደናውያን፡ ክታበት ኮሮና ክኽተቡ ድልውነቶም የረጋግጹ

ብትካል ኖቮስ ዝተኻየደ ዳህሳስ ከምዝሕብሮ፡ ኣስታት 77% ካብ ተቐማጦ ሽወደን ዝኾኑ ሰባት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ንክውግኡ ድልዋት ምዃኖም ገሊጹ። እዚ ቁጽሪ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተረኽበ ውጽኢት ዳህሳስ፡ ዝበዝሐ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ። ንድልውነት ክትባት ጸረ ኮሮና ክታበት ብዝምልከት፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ዝተፈላለየ ብዝሒ ከምዝተራእየ ዝሓበረ፡ ተንታኒ ፖለቲካ ሬድዮ ኢኮት፡ ፍሪድሪክ ፎርትንባኽ፡ ደገፍቲ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ እቶም ዝወሓደ ድልውነት …

Read More »

ሽወደን፡ ንቀይድታት ትምህርታት ኣፍኲሳ

ሎሚ ሓሙስ ንግሆ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሚኒስተር ዕዮን ሚኒስተር ትምህርቲ ሽወደን ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ነቲ ተነቢሩ ዝጸንሐ ቀይድታት ትምህርቲ ከም ዝፎኸሰን ንቀይድታት ኣልኮላዊ መስተ ግን ከምዝተናወሐ ገሊጾም። መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ርሑቕ ኣገባብ ኣመሃህራ ብምቁራጽ፡ ተማሃሮ፡ ከም ቀደሙ፡ ናብ ቤት ትምህርታት ብምምጻእ፡ ትምህርቶም ክከታተሉ ከምዝግባእ ኣዊጁ። ብኻልእ ወገን፡ ሽሕ’ ኳ መንግስቲ፡ ነዚ ኣዋጅ …

Read More »

ተርእዮታት ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ፡ ኣብ ሽወደን

ኣብ ሽወደን፡ በቲ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ንመጀመሪያ ግዜ ከምዝተራእየ ዝተነግረሉ ምስ ኮሮና ቫይረስ ተመሳሳልነት ዘሎዎ ሓድሽ ቫይረስ፡  ኣርባዓ ዝኣኽሉ ሰባት ከምዝተለክፉ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ፡ ብኸመይ መንገዲ ናብ ሽወደን ከምዝኣተወ ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለን ኣብ ምእላይ እዚ ሓድሽ ክስተት ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይዉሰድ ከምዘሎ፣ ንዝተፈላለዩ ክኢላታት ብምጥቃስ ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ከምዝፍለጥ፡ እዚ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ፡ ኣብ …

Read More »

Harmony News 20-01-2021

Read More »

ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ቀዳማይ ማዕጾ ናይ ኣውቶቡሳት ምኽፋቱ ተሓቢሩ

ካብ ሎሚ ረቡዕ፡ ዕለት 20/01/2021 ጀሚረን፡ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከባ ኣውቶቡሳት፡ ቀዳማይ ማዕጾአን ከምዝኸፈታ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት፡ ኩሎም ተጓዓዝቲ፡ ናይ SL ካርድታቶም ክጥቀሙ ክጅምሩ ምዃኖም ሓላፊ መስመር መጓዓዝያ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ቀዳማይ ማዕጾ ናይ ኣውቶቡሳት ከምዝተዓጽወ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 90 ካብ 280 ኣውቶቡሳት፡ ኣብ ከባቢ መራሒ መኪና፡ መከላኸሊ ቬትሮ ክስራሓለን ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።   እዚ …

Read More »

ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብሰንኪ ኮሮና፡ ዶባተን ክዓጽዋ ከምዝኽእላ ተሓቢሩ

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንምስፍሕፋሕ ተቐያያሪ ዓሌታት ኮሮና ንምቁጽጻር ብዝምልከት፡ ሓባራዊ ዝኾነ መሰረታዊ መስርሕ ምክልኻል እንተዘይኣቚሙ፡ ኣብ ዶባት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ናይ ምፍታሽ መስርሕ ክጅምራ ክግደዳ እየን ክትብል ቻንስለር ኣንገላ መርከል ገሊጻ። ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንምስፍሕፋሕ ተቐያያሪ ዓሌታት ኮሮና ንምቁጽጻር፡ በብዝጥዕመን እንተድኣ ክሰርሓ ኮይነን ናብቲ ናይ ቅድም ኣገባብ ምዕጻው ዶባት ክነምርሕ ክንክእል ኢና ክትብል ቅድሚ’ቲ ጽባሕ ዝካየድ ኣኼባ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ገሊጻ። ንሕና …

Read More »

ኣብ እዋን መገሻ፡ ምስክር ወረቐት ክታበት፡ ንኽረአ ይጥለብ

ግሪክን ፖርቱጋልን ዝርከበአን ብዙሓት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ ውሽጢ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝግበር መገሻታት ብዝምልከት፡ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ከም ቅጥዕታት መገሻ ክኸውን ይጠልባ። እዚ ቀሪቡ ዘሎ ጠለብ ከም ቅጥዕታት መገሻ እንተድኣ ተወሲዱ፡ መንግስታውያን ትካላት፡ ንገያሾ ብቀሊሉ ክረኽብዎ ከምዝኽእሉ ክገብር ይግባእ ክብል፡ ሽወደናዊ ማሕበር ናይ ጉዕዞ ኤጀንስታት፡ ኣዘኻኺሩ። እዘን መንግስታውያን ትካላት፡ ክታበት ኮሮና ከምዝወሰዱ ዝሕብር ምስክር ወረቐት ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን፡ ንገያሾ …

Read More »

ኣብ ሳንኩፍ ከባቢታት ዝግበር መጠን መርመራታት ኮሮና ትሑት ምዃኑ ተገሊጹ

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከባ ብቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታተን ድኹማት ዝኾና ከባቢታት ( ሳንኩፍ ከባቢታት) ዝነብሩ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት፡ ከምቲ ዝግባእ፡ እኹል ዝኾነ መርመራታት ኮሮና ከምዘይተገብረሎም ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ኣቃሊሑ። ካብ ዝሓለፈ ቀውዒ ጀሚሩ፡ ኣብ ከም በዓል ፊትያን ሻርሆልመንን ዝኣመሰሉ ከባቢታት፡ ሕጽረት መርመራታት ኮሮና ከምዘሎ፡ እቲ ጋዜጣ ይሕብር። ንምኽንያት ናይቲ ሕጽረት ኣመልኪቶም፡ ሰብ መዚ ስቶክሆልም፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ሕጽረት ቋንቋ ዘለዎም …

Read More »

ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ካብቲ ዝተመደበላ ክታበት፡ ትሕቲ 50% ከምዝረኸበት ተፈሊጡ

ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክዕደላ ተመዲቡ ዝነበረ ብዝሒ ክታበት፡ 50% ጥራይ ከምዝተረከበት ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ይኹን እምበር፡ እዚ ዝተፈጥረ ሕጽረት፡ ኣብ ቀጻሊ ክምላእ እዩ ክብል በዓል መዚ  ጥዕና ምምሕዳር ስቶክሆልም ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሳምንታት፡ መጠን ክታበት በብቕሩብ እናወሰኸ፡ ናብቲ ምዱብ ቁጽሩ ክበጽሕ ምዃኑ ኣወሃሃዲ ክታበት’ቲ ምምሕዳር፡ ማግኖስ ሲበርግ፡ ሓቢሩ። ኣብ ምርኽኻብ ክታበት ዘጋጥሙ …

Read More »

Harmony News 18/01/2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com