Monday , April 29 2024

ሽወደን፡ ንቀይድታት ትምህርታት ኣፍኲሳ

ሎሚ ሓሙስ ንግሆ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሚኒስተር ዕዮን ሚኒስተር ትምህርቲ ሽወደን ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ነቲ ተነቢሩ ዝጸንሐ ቀይድታት ትምህርቲ ከም ዝፎኸሰን ንቀይድታት ኣልኮላዊ መስተ ግን ከምዝተናወሐ ገሊጾም።

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ርሑቕ ኣገባብ ኣመሃህራ ብምቁራጽ፡ ተማሃሮ፡ ከም ቀደሙ፡ ናብ ቤት ትምህርታት ብምምጻእ፡ ትምህርቶም ክከታተሉ ከምዝግባእ ኣዊጁ። ብኻልእ ወገን፡ ሽሕ’ ኳ መንግስቲ፡ ነዚ ኣዋጅ እንተ ኣመሓላለፈ፡ ለበዳ ኮሮና እንተኣጋጡሙ ግን፡ ምምሕዳራት ከተማ፡ ቤት ትምህርታት ናይ ምዕጻው፡ መሰል ተዋሂብወን ከምዘሎ ሓቢሩ።

እዚ ኣዋጅ፡ ካብ ዕለት 24/01/2021 ተግባራዊ ኮይኑ፡ ክሳብ 01/04/2021 ዝጸንሕ ምኳኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ባራት ተነቢሩ ዝጸንሐ፡ ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ድ.ቐ. ኣልኮላዊ መስተ ዘይምሻጥ ዝብል ቀይዲ ክሳብ ዕለት 07/02/2021 ክናዋሕ ምኳኑ መንግስቲ ሽወደን ኣዊጁ ኣሎ።

ምምሕዳራት ከተማ ብወገነን፡ ንዘይ ኣገደስቲ ንጥፈታት፡ ክሳብ 07/02/2021 ክዓጽዋ፡ መንግስቲ ሽወደን ተማሕጺኑ።

ኣብ ሰዓታት 7፡00 ክሳብ 9፡00 ቅ.ቀ. ን 4፡00 ክሳብ 6፡00 ድ.ቀ. ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ማስክ ምግባር ዝግድድ መምርሒ መንግስቲ፡ ክሳብ ዝቕጽል ወቕቲ ቀውዒ ክናዋሕ ምኳኑ ተሓቢሩ።

ሰራሕተኛታት፡ ካብ ገዛ ክሰርሑ እንተክኢሎም ተመራጺ ይኸውን ዝበለት፡ ሚኒስተር ዕዮ፡ ኢቫ ኖርድማርክ፡ ኣብ ብሕታውን መንግስታውያን ስራሓት ዝነጥፉ ወሃብቲ ስራሕ፡ ንመምርሒታት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ብዕቱብ ክሰርሕሉ ምጽነሖም ሞጒሳ።

ቀይድታት ትምህርቲ ምፍክስ ማለት፡ እቲ ሓደጋ ቫይረስ ኮሮና ተኣልዮ ማለት ከምዘይኮነ ዝሓበረት፡ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ሓደገኝነት ናይዚ ኩነታት ጌና ስለዘይተኣልየ፡ ሰባት፡ ብመምርሒታት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ተቐይዶም ንኽኸዱ ኣዘኻኺራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com