Monday , April 29 2024

ተርእዮታት ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ፡ ኣብ ሽወደን

ኣብ ሽወደን፡ በቲ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ንመጀመሪያ ግዜ ከምዝተራእየ ዝተነግረሉ ምስ ኮሮና ቫይረስ ተመሳሳልነት ዘሎዎ ሓድሽ ቫይረስ፡  ኣርባዓ ዝኣኽሉ ሰባት ከምዝተለክፉ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ።

እቲ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ፡ ብኸመይ መንገዲ ናብ ሽወደን ከምዝኣተወ ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለን ኣብ ምእላይ እዚ ሓድሽ ክስተት ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይዉሰድ ከምዘሎ፣ ንዝተፈላለዩ ክኢላታት ብምጥቃስ ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ከምዝፍለጥ፡ እዚ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ፡ ኣብ ርእሲ ልዑል ናይ ምልባዕ ሸነኹ፡ ስጋብ ክንደይ ተጓዳኢ ምዃኑ ዝሕብር ንጹር ሕክምናዊ መረዳእታ ከምዘየለ ይንገር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሃገረ እንግሊዝ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ቫይረስ ኩለንተናዊ ኣፍልጦ ንምርካብን ብኸመይ ኣገባብ ክእለይን ክታሓዝን ከምዝግባእ ዝያዳ መጽናዕትን መርመራን ከምዘድልዮ መንግስትን ተመራመርትን እታ ሃገር ኣገንዚቦም ከምዘሎዉ ካብ ሎንዶን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com