Monday , April 29 2024
SANYO DIGITAL CAMERA

ኣብ ሳንኩፍ ከባቢታት ዝግበር መጠን መርመራታት ኮሮና ትሑት ምዃኑ ተገሊጹ

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከባ ብቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታተን ድኹማት ዝኾና ከባቢታት ( ሳንኩፍ ከባቢታት) ዝነብሩ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት፡ ከምቲ ዝግባእ፡ እኹል ዝኾነ መርመራታት ኮሮና ከምዘይተገብረሎም ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ኣቃሊሑ።

ካብ ዝሓለፈ ቀውዒ ጀሚሩ፡ ኣብ ከም በዓል ፊትያን ሻርሆልመንን ዝኣመሰሉ ከባቢታት፡ ሕጽረት መርመራታት ኮሮና ከምዘሎ፡ እቲ ጋዜጣ ይሕብር።

ንምኽንያት ናይቲ ሕጽረት ኣመልኪቶም፡ ሰብ መዚ ስቶክሆልም፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ሕጽረት ቋንቋ ዘለዎም ኮይኖም ምስ ካልኦት ከባቢታት ብምንጽጻር መብዛሕትኦም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ፡ እቲ ንመርመራ ኮሮና ንምክያድ ኣገዳስን ኣድላይን ዝኾነ፡ ቁጽሪ ማሕበራዊ ውሕስነት (ፖርሹን ኑመር) ዘይብሎም ብምዃኑ እዮ።

እቶም ማእከላይን ልዑል ደረጃ መነባብሮ ዘለዎም ሰባት ጥራይ፡ ናይ ገዛ ኣገልግሎት መርመራ ኮሮና ከምዝወሃቦም፡ ኤክስፕረሰን ኣቃሊሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ ናይ ዓመተ 2020 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ እቶም ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎምን ኣብ ሳንኩፍ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባትን፡ እቶም ቀንዲ ንሕማም ኮቪድ-19 ካልኦት ሓደገኛ ሕማማት ዝተቓልዑ እዮም ክብል ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com