Monday , April 29 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT / Kod 10080

ኣብ እዋን መገሻ፡ ምስክር ወረቐት ክታበት፡ ንኽረአ ይጥለብ

ግሪክን ፖርቱጋልን ዝርከበአን ብዙሓት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ ውሽጢ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝግበር መገሻታት ብዝምልከት፡ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ከም ቅጥዕታት መገሻ ክኸውን ይጠልባ።

እዚ ቀሪቡ ዘሎ ጠለብ ከም ቅጥዕታት መገሻ እንተድኣ ተወሲዱ፡ መንግስታውያን ትካላት፡ ንገያሾ ብቀሊሉ ክረኽብዎ ከምዝኽእሉ ክገብር ይግባእ ክብል፡ ሽወደናዊ ማሕበር ናይ ጉዕዞ ኤጀንስታት፡ ኣዘኻኺሩ። እዘን መንግስታውያን ትካላት፡ ክታበት ኮሮና ከምዝወሰዱ ዝሕብር ምስክር ወረቐት ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን፡ ንገያሾ ክህባ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም፡ ላዕለዎት ኣካላት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ጽባሕ ሓሙስ ክዝትዩ ምዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com