Sunday , April 28 2024

ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ካብቲ ዝተመደበላ ክታበት፡ ትሕቲ 50% ከምዝረኸበት ተፈሊጡ

ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክዕደላ ተመዲቡ ዝነበረ ብዝሒ ክታበት፡ 50% ጥራይ ከምዝተረከበት ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

ይኹን እምበር፡ እዚ ዝተፈጥረ ሕጽረት፡ ኣብ ቀጻሊ ክምላእ እዩ ክብል በዓል መዚ  ጥዕና ምምሕዳር ስቶክሆልም ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሳምንታት፡ መጠን ክታበት በብቕሩብ እናወሰኸ፡ ናብቲ ምዱብ ቁጽሩ ክበጽሕ ምዃኑ ኣወሃሃዲ ክታበት’ቲ ምምሕዳር፡ ማግኖስ ሲበርግ፡ ሓቢሩ።

ኣብ ምርኽኻብ ክታበት ዘጋጥሙ ሽግራት፡ ነቲ ክታበት ንኽወስድ ብቐዳምነት ተስሪዑ ዘሎ መደብ ዝጸልዎ ኣይኮነን ክብል ተለቪዥን ሽወደን ኣቃሊሑ።

እዚ ዘጋጠመ ሕጽረት፡ ብሰንኪ ኩባንያ ፋይዘር፡ ነቲ ንኤውሮፓ ክህባ መዲብዎ ዝነበረ ብዝሒ ክታበት ከጉድሎ ምውሳኑ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com