Thursday , May 9 2024

ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ቀዳማይ ማዕጾ ናይ ኣውቶቡሳት ምኽፋቱ ተሓቢሩ

ካብ ሎሚ ረቡዕ፡ ዕለት 20/01/2021 ጀሚረን፡ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከባ ኣውቶቡሳት፡ ቀዳማይ ማዕጾአን ከምዝኸፈታ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት፡ ኩሎም ተጓዓዝቲ፡ ናይ SL ካርድታቶም ክጥቀሙ ክጅምሩ ምዃኖም ሓላፊ መስመር መጓዓዝያ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ቀዳማይ ማዕጾ ናይ ኣውቶቡሳት ከምዝተዓጽወ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 90 ካብ 280 ኣውቶቡሳት፡ ኣብ ከባቢ መራሒ መኪና፡ መከላኸሊ ቬትሮ ክስራሓለን ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።  

እዚ ምምሕያሽ ዝተኻየደለን ኣውቶቡሳት፡ እተን ብብዝሒ ህዝቢ ዝጥቀመለን መስመራት ቁጽሪ 1፡ 2፡ 3፡ 4 ን 6 ን ምዃነን ተፈሊጡ።

እቲ መከላኸሊ ቬትሮ፡ ካብ ለበዳ ንምክልኻል ዓቢ ተራ ዝጻወት ኮይኑ ንድሕነት መራሒ መኪና ይኹን ተሳፋራይ ውሕስነት ዝህብ ኮይኑ እዩ ተሰሪሑ ክብል ሓላፊ መስመር መጓዓዝያ፡ ፍሬድሪክ ካቫሊ፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com