Sunday , May 12 2024
More oil production to come (AP Photo/Eric Gay, File) LFP116

OPEC . . . ፍርያት ነዳዲ ከደንፍዕ ተሰማሚዑ

ከምቲ ብዙሓት ዝጽበይዎ፡ OPECን መሻርኽቲ ሃገራትን፡ ፍርያት ናይ ነዳዲ ናብቲ ቅድሚ ናይ ኮቪድ ምልዓብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሑሉ ዝነበረ እዋን፡ ክብ ከብሉዎ ምዃኖም ከምዝተሰማምዑ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ጠለባት ናይ ነዳዲ ዕዳጋ እንዳተማሓየሸ ስለዝመጸን እቲ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ከኣ ኣብ ጠለብ ናይ ነዳዲ እዚ ዝባሃል ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕድር ስለ ዘይመስልን ምዃኑ ተገሉጹ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ዝተበጽሐ ውሳኔ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዋዕላ ናይ OPEC ምዃኑ ተሓቢሩ።
እዚ ማለት፡ ካብ ወርሒ የካቲት ጀሚሩ፡ በተን ኣባላት ናይቲ መሻርኽቲ ዝኾና 23 ሃገራት ዝቐርብ ፍርያት ናይ ነዳዲ፡ ኣብ መዓልቲ፡ ተወሳኺ ናይ 400,000 በራሚል ከፍርያ ከምዝኾነ እዩ።
OPEC ን መሻርኽቶምን እቲ ብዓለም ደረጃ ዝተራእየ ብሰንኪ መልከፍቲ ኮቪድ ዝተፈጥረ ዋሕዲ ጠለብ ነዳዲ መሰረት ብምግባር፡ ንፍርያተን ብ ክልተ ሲሶ ከጉድላ ከምዝተገደዳ ይዝከር።
ብሰሉስ፡ ዋጋ ናይ ዓለም ዕዳጋ ብ 1% ክብ ብምባሉ ዋጋ ናይ ሓደ በርሚል ናይ ሰሜናዊ ባሕሪ ነዳዲ፡ ናብ $80 ክበጽሕ ከምዝኸኣለ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com