Sunday , May 19 2024

ሬሳ ናቫልኒ ናብ ኣዲኡ ይምለስ

ሬሳ ሩስያዊ መራሒ ተቓዋሚ ኣሌክሲ ናቫልኒ ናብ ኣዲኡ ከምዝተመለሰ ወሃቢት ቃሉ ገሊጻ። ኪራ ያርሚሽ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝለጠፈቶ መልእኽቲ፡ ንኹሎም ሬስኡ ክርከብ ዝጸዓሩ ሰብመዚ ኣመስጊና። እቲ ቀብሪ ገና ኣይተኻየደን" ክትብል ኪራ ጽሒፋ። ኣደ ናቫልኒ ልዩድሚላ "ምስጢራዊ" ቀብሪ ክገብር እየ ኢላ ክተማማዕ ጸቕጢ ከም እተገበረላ እዩ ዝግለጽ ። ኣብዚ ምስምማዕ እንተኣቢያ ግና ኣብታ ዝሞተላ ቤት ማእሰርቲ ክቕበር ምዃኑ እዩ ተነጊርዋ። በዚ …

Read More »

ብዝሒ ህዝቢ ኖርወይ ካብ 5 ሚልዮን ፈረቓን ይልዕል

ኖርወይ ን ዓመተ 2024 ብወግዓዊ ብዝሒ ህዝቢ 5,550,203 ከም ዘጀመረቶ ተፈሊጡ። እዚ ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ቁሩብ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። እዚ ይዂንምበር ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሰሜናዊ ጠረፍ እታ ሃገር ስደት እንተዘይህሉ ቊጽሪ ህዝቢ ምንካይ መጋጠሞ ኔሩ። ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኖርወይ እታ ሃገር ናይ 61,219 ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ከምዘርኣየት ገሊጹ’ሎ። እዚ ካብቲ ኣብ መጀመርታ 2023 ዝተገልጸ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ቁሩብ …

Read More »

ኣብ ጽላት ህንጻ ፊንላንድ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ርኡይ ወሰኽ የርኣዩ

ኣብ ጽላት ህንጻ ፊንላንድ ዘሎ ብጽሒት ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ርኡይ ወሰኽ ከምዘርኣየ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ብ “ኮንፈደረሽን ኢንዱስትሪታት ህንጻ ፊንላንድ (RT)” ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዕዮ ሓቢሩ። ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መላእ ፊንላንድ ኣብ ዝርከቡ መካነ ህንጻ ኣስታት 30% ካብ ሓይሊ ሽቕለት ናይ ወጻኢ ጉልበት ይሕዘኦ’ሎ። እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2019 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ሕጂ …

Read More »

ዝጸንሐ ክብሪታት ካብ ዝኽተላ ስድራቤታት ዝተወልዱ ኣባላት LGBTQ ሽግራት የጋጥሞም

ኣብ ሽወደን ኣባላት ናይቲ LGBTQ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጾታዊ ምርጫ ዝኾኑ ግረሰዶማውያን መንእሰያት ኣብተን ኣዝዩ ጽንኲር መዐቀኒታት ”ክብሪ” ዝኽተላ ስድራቤታት ርኡይ ሓደጋታት ከምዘጋጥሞም ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ገለ ካብዚ ን ግብረሰዶማውያን ኣጋጢምዎም ዝበሃል ሽግራት ብሳይንስ ዝተነጽገ ግዱድ መስርሕ ፍወሳ፡ ወይ’ውን ካብ ግብረሰዶም ንምእላይ ዝዓለመ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ክኽተሉ ምግዳድ ዘጠቓልል እዩ። “ብዙሓት ሕቡእ ናይ ግብረሰዶም ህይወት ከሕልፉ እዮም ዝመርጹ፣ ብዙሓት ካብቶም ዝራኸብናዮም ሰባት …

Read More »

ኣብ ኲናት ዩክሬይን ክዋግኡ ዘይደልዩ ሩስያውያን መንእስያት ኣብ ሽወደን ዕቚባ ይሓቱ

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ሩስያ ናብ ዩክሬን ክዋግኡ ንኸይለኣኹ ብምፍራህ ካብታ ሃገር ምህዳሞም  ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ ሽወደን ዕቚባ ምሕታቶም ተሓቢሩ። እዚ ይዂንምበር ዛጊት ብዙሓት ሩስያውያን ኣብ ሽወደን ዘቕረብዎ ናይ ዕቚባ ሕቶ እወታዊ መልሲ ኣይተዋህቦን ኣሎ። ሓደ ካብቶም ሕቶ ዕቚባኦም ተቐባልነት ዝረኸቡ መንእሰያት 33 ዝዕድሜኡ ኣንድሬይ ኮይኑ፡ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ተመኩሮ የብሉን። ንሱ ምዕጾ ቤቱ ብልኡኻት ሰብመዚ ክዂሕኳሕ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 26 ለካቲት 2024

Read More »

ኦርባን “ንሓድሕድና ኣብ ክንዲ እቲ ካልእ ክንሓልፍ ድሉዋት ኢና”

ሃንጋሪ “ሳብ ያስ ግሪፐን” ዝዓይነተን ኣርባዕተ ነፈርቲ ውግእ ካብ ሽወደን ንምግዛእ ስምምዕ ከምዝገበረት ዝሓለፈ ዓርቢ ኣፍሊጣ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ ቡዳፐሽት ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን፡ እቲ ዝተኸተመ ስምምዕ ምክልኻል ንርክብ እተን ሃገራት ኣገዳሲ ምዃኑን ከም ኣባላት ኔቶ መጠን ምትእምማንን ምክብባርን ከዕዝዛ ከም ዘለወን ኣስሚሩሉ። ንሱ ወሲኹ ሓንቲ ሃገር …

Read More »

ብሰንኪ ሕጽረት መምህራን ክፍልታት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ክንድቲ ዝድለ ይሳለጡ የለዉን ተባሂሉ።

ብሰንኪ ሕጽረት መምህራን ክፍልታት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ክንድቲ ዝድለ ይሳለጡ የለዉን ተባሂሉ። ብውሕዱ ሓደ ወላዲ ዘለዎም ቀዳማይ ቋንቋኦም ሽወደንኛ ዘይኮነ ተማሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ በቲ ቋንቋኦም ክመሃሩ መሰል ኣለዎም፡፡ እዚ ድማ ክፍሊ ”ቋንቋ ኣደ” እዩ ። ምምሕዳራት ከተማ ግና ብሰንኪ ሕጽረት ብቑዓት መምህራን ብብዙሕ ቋንቋታት ዝቐርብ ሕቶታት ንምምላእ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይከኣላ እዩ ዝግለጽ። ቀንዲ ምኽንያት እዚ ክስተት መብዛሕትኡ ግዜ …

Read More »

ትንበያታት ብዝሒ ህዝቢ ሰሜናዊ ሽወደን ይጎድል

ዋላ’ኳ ኣብ ሰሜን ሽወደን ቅልጡፍ ናህሪ ምዕባለ እንተሃለወ፡ መንግስቲ ውሳነታት ንምሕላፍ ግዜኡ ኣብ ዝሓለፎ ስታቲስቲክስ ይምርኮስ ብምህላዉ፡ ንወፍሪ ትሕተ ቅርጺ ከምዘይምውል ብምግላጽ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ስክፍታኦም ገሊጾም። ስታቲስቲክስ ትንበያ ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ ዝትሰላሰሉ ልምዓት ዝተመርኮሰ እዩ። “ኣብ መንጎ ክውንነትን መሰረት ውሳነታትን ዘሎ ጋግ ካብዚ ዝሰፍሐ ኮይኑ ኣይፈልጥን” ይብል ሪካርድ ካርስተድ ዝተባህለ ፖለቲከኛ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራት …

Read More »

ስካነ ንኔቶ ምስጢራዊ ምድላዋት ትገብር

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን እትርከብ ስካነ፡ ኣብ መጻኢ ንወጻእተኛታት ወተሃደራት ኔቶ ብኸመይ ከም እተአንግድ መደብ ኣውጺኣ። ሽወደን ኣባል ናይቲ ኪዳን ምስ ኮነት ክትስዕቦ ካብ ዘለዋ ጠለባት ሓደ “ከም አአንጋዲት ሃገር መጠን ዘድሊ ደገፍ” ምሃብ ክኸውን እዩ። ተቐማጦ ስካነ ኣብ መጻኢ ብርክት ናይ ወጻኢ ወተሃደራት ክርእዩ ክኽእሉ እዮም፡፡ እዞም ወተሃአራት ብልክዕ ኣበይ ክሰፍሩ ምዃኖም ግና ብ ምስጢር ተታሒዙ’ሎ።

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com