Wednesday , May 8 2024

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 19 መጋቢት 2024

Read More »

ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ንተርጎምቲ ክወሃብ ዝተሓስበ ክፍሊት ደው ክብል ተጌሩ

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብሌኪንገ ዝርከቡ ዞባዊያን ፖለቲከኛታት፡ ቅድሚ ሳምንታት ምስ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ዝገበርዎ ርክባት፡ ካብ ተርጓሚ ሓገዝ ንዝደልዩ፡ ቋንቋ ሽወደን ዘይዛረቡ ሕሙማት፡ ክፍሊት ንምትእትታው ወሲኖም። እቲ ውሳነ ኣንጻር ሕጊ እዩ ዝብሉ ነቐፍቲ ናብ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ቬክስኾ ይግባይ ኢሎም ኣለዉ። ቤት ፍርዲ እቲ ጒዳይ ናይ መወዳእታ ሕጋዊ ፍርዲ ክሳብ ዝወሃቦ ምትእትታው ክፍሊት ደው ክብል ወሲኑ ኣሎ።

Read More »

“ሽወደን ኣብ መዓስከራት ሶርያ ንዝርከቡ ኣባላት ዳዕሽ ዝኾኑ ዜጋታታ ክምለሱ ኣይትሕግዞምን እያ” ሚ/ጒ/ወ

ሽወደን ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተህድሶ ዳዕሽ ዝጸንሑ ምስሽወደን ርክባት ዘለዎም ሰባት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይትሕግዞምን እያ። እዚ ንኹሉ ኣብኡ ዘሎ ሰብ እንተላይ ንህጻናት ዝመልክት ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ንTV4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ– እቶም ሽወደናውያን ብወለንታኦም ወጺኦም ናብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብጭክኔኦም መዘና ዘይርከቦም ግብረሽበራዊያን ውድባት ምጽንባሮም ክርሳዕ የብሉን ክብል ወሲኹ …

Read More »

ኣብ 2023 ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሳይበር ይውሰኽ

ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣንን ትካላትን ዝተኻየዱ መጥቃዕቲታት ሳይበር ኣብ 2023 ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ኤጀንሲ ሲቪላዊ ሓደጋታት ሽወደን (MSB) ን ፍጻመታት ኣይቲ ዝምልከት ዓመታዊ ጸብጻቡ ይሕብር። ዓሚ ካብቶም ንሕብረተሰብ ዝድግፉ ዕማማት ዘለዎም ኣስታት 1000 መንግስታዊ ትካላት እቶም 334 ሓደጋ መጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዝተኻየደሎም MSB ገሊጹ። ኣብ 2023 ንኤምኤስቢ ዝተገልጸ ቁጽሪ ፍጻመታት፥ ብግምት ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተገልጸ ቁጽሪ ኮይኑ፡ እቲ …

Read More »

ሽወደናውያን ተስላ ምሽማት ይቕጽሉ

ኣብ ሽወደን መሸጣ ተስላ ኣዝዩ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡፡ ዋላ’ኳ ኣድማ ማሕበር IF Metall ን ዝተፈላለየ ኣድማታትን ይካየድ እንተሃለወ፥ ብዙሓት ዓማዊል ሓደስቲ መካይን ምሽማት ይቕጽሉ’ለዉ። እቲ ኣፍራዪ መኪና፡ ነቲ ኣብ ሽወደን ኣንጻር እቲ ኩባንያ ዝወሰዶ ስጉምትታት ንምሕላፍ ሓያሎ መገድታት የናዲ ምህላዉ ፡ ሬድዮ ሽወደን ካብ ዓማዊል ዝረኸበቶ ሓበሬታ የመልክት። ቲቦር ብሎምሃል ካብ ተስላ ክለብ ሽወደን፥ “ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ፥ ሓዳስ ቴስላኻ …

Read More »

ማልሞ፡ ቅድሚ ውድድር ዩሮቪዥን ምጽራይ ኣናጹ ይካየድ

ኣብ ማልሞ ዝረአ ዘሎ ጸገም ብዝሒ ኣናጹ ንምፍታሕ፥ ብፍላይ ድማ እታ ከተማ ቅድሚ ኣብ ወርሒ ግንቦት ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ከተአንግድ ምስ ምዃና፡ ነታ ከተማ ካብ ኣናጹ ንምጽራይ ሜላታት ማእከላይ መዋእል ይጥቀሙ ምህላዎም ተፈሊጡ። ብዝሒ ኣናጹ ንምንካይ ውዕል ዝተኣተወት ሞና ጋላይኒ፡ ጊሔን ኣኽላባትን ብሓባር ትጥቀም ኣላ። “እቶም ጊሐ ኣብ ጉድጓድ ይኣትዉ እሞ እቶም ኣኽላባት ድማ እቶም ኣናጹ በቲ ካልእ ሸነኽ ምስ …

Read More »

ኣብ ቅትለት ዕዳጋ ማልሞ ዝተሳተፉ ተኸሰስቲ ተፈሪዶም

ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ማልም፥ ሎሚ ዓርቢ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ኣብ ሳመር 2022 ዝተፈጸመ ህይወት ዝቐዘፈ ተኹሲ ብዝተተሓሓዘ ንተኸሳሲ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ። ነዚ ቅትለት ምልዕዓልን ሓገዝን ጌሩ ብዝብል ካልእ ተኸሳሲ ን 10 ዓመት ተፈሪዱ’ሎ። ክልቲኦም ተኸሰስቲ ነቲ ገበናት ኣይወዓልናዮን ክብሉ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ሂቦም እዮም። ኣቐድም ኣቢሉ 16 ዝዕድሜኡ ኮተቴ ነቲ ኣብ ማእከል ዕዳጋ …

Read More »

ኦስሎ፥ ኣብ ፈስቲቫል ግብረሰዶማውያን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘካየደ ሰብ መስርሕ ፍርዱ ይቕጽል።

ቤት ፍርዲ ካውንቲ ኦስሎ ዳግማይ ዓቢ መስርሕ ፍርዲ ግብረሽበራ ክካየደሉ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝረአ ክሲ ናይቲ ወዲ 12 ዓመት እናሃለወ ናብ ኖርወይ ዝመጸ ኣኽራሪ ኢራናዊ ስደተኛ እዩ። ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ኣብ ሰነ 2022 ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ጽምብል ፕራይድ ግብረሰዶማውያን ተኹሲ ብምኽፋት ክልተ ሰባት ኣብ ልዕሊ ምቕታል፡ ትሽዓተ ድማ ኣቑሲሉ እዩ። ብዘይካዚ ብተግባራቱ ኣማኢት ካልኦት ስንባደ ከም ዝሓደሮም …

Read More »

ሆላንዳዊ መራሒ ጸረ እስልምና ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን ዝገበሮ ጻዕሪ ገዲፉዎ።

ብጸረ እስልምናዊ መርገጺኡ ዝፍለጥ ሆላንዳዊ ህዝባዊ መራሒ ጌርት ዊልደርስ፡ ዋላ’ኳ ሰልፉ ኣብ ምርጫ 2023 ኣንጸባራቒ ዓወት እንተመዝገበት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን ዝገበሮ ጻዕሪ ከም ዘይደፍኣሉ ገሊጹ። “ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ዝኽእል ኩሎም ኣብቲ ጥምረት ዘለዉ ውድባት ክድግፍዎ እንተኾይኖም ጥራይ እዩ። ከምኡ ድድማ የሎን ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ’ሎ። ሰልፉ ሰልፊ ሓርነት (PVV) ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሐ ድምጺ እኳ እንተረኸበት መላፍንቲ ንምቛም ግን ደገፍ ካልኦት …

Read More »

ብሰንኪ ኣድማ ወደባት ፊንላንድ ይለምሳ

ኣብ ፊንላንድ ንኽልተ ሰሙን ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ኣድማ፡ ኣብ ወደባትን ባቡርን እታ ሃገር ጽዕነት ትራፊክ ደው ክብል ኣብ ልዕሊ ምግባር፥ ኣብ ሎጂስቲክስ ዓቢ ምዝባዕ ምስዓቡ ተገሊጹ። ነዳዲ ሓዊሱ ሕጽረት ካልኦት ሃለኽቲ ከስዕብ ከምዝኽእል እው ይገለጽ ኣሎ። ብመንገዲ “ማሕበር ኦፕሬተራት ወደባት” ኣቢሉ ን ኣስራሒ ዝውክል ጁሃ ሙትሩ፡ ኣብ ወደባት ዘሎ ድሕረት ንምፍታሕ ሰሙናት ክወስድ ከምዝኽእል፡  መብዛሕትኡ ጽዕነት ትራፊክ ደው ክብል ከምዝኽእልን የጠንቅቕ። …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com