Saturday , April 27 2024

“ሽወደን ኣብ መዓስከራት ሶርያ ንዝርከቡ ኣባላት ዳዕሽ ዝኾኑ ዜጋታታ ክምለሱ ኣይትሕግዞምን እያ” ሚ/ጒ/ወ

Credit: Samuel Steén/TT

ሽወደን ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተህድሶ ዳዕሽ ዝጸንሑ ምስሽወደን ርክባት ዘለዎም ሰባት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይትሕግዞምን እያ። እዚ ንኹሉ ኣብኡ ዘሎ ሰብ እንተላይ ንህጻናት ዝመልክት ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ንTV4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ– እቶም ሽወደናውያን ብወለንታኦም ወጺኦም ናብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብጭክኔኦም መዘና ዘይርከቦም ግብረሽበራዊያን ውድባት ምጽንባሮም ክርሳዕ የብሉን ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com