Saturday , April 27 2024

ሽወደናውያን ተስላ ምሽማት ይቕጽሉ

Credit: Noah Berger/AP

ኣብ ሽወደን መሸጣ ተስላ ኣዝዩ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡፡ ዋላ’ኳ ኣድማ ማሕበር IF Metall ን ዝተፈላለየ ኣድማታትን ይካየድ እንተሃለወ፥ ብዙሓት ዓማዊል ሓደስቲ መካይን ምሽማት ይቕጽሉ’ለዉ። እቲ ኣፍራዪ መኪና፡ ነቲ ኣብ ሽወደን ኣንጻር እቲ ኩባንያ ዝወሰዶ ስጉምትታት ንምሕላፍ ሓያሎ መገድታት የናዲ ምህላዉ ፡ ሬድዮ ሽወደን ካብ ዓማዊል ዝረኸበቶ ሓበሬታ የመልክት። ቲቦር ብሎምሃል ካብ ተስላ ክለብ ሽወደን፥ “ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ፥ ሓዳስ ቴስላኻ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ዝኾነ ፍልልይ ኣየስተብህለሉን ኢና” ይብል። እዚ እናኾነ ዝቕባበ ሽወደን ካብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ብዝለዓለ መጠን የንቈልቊል ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ዝቕባበ 2.5% ከምዝነበረ መዐቀኒ ዋጋታት ሃለኽቲ ውሱን ወለድ የመልክት። ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ዝቕባበ 3.3% ከምዝነበረ ስታቲስቲክስ ሽወደን ይሕብር። በዚ ድማ እቲ ምንቁልቋል ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዝዓበየ እዩ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፥ ሪክስባንክ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ዋና ወለዱ ከጉድል ከምዝኽእል ወሃቢ ርእይቶ ቁጠባ ሬድዮ ሽወደን ክርስቲያን ኦስትሮም ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com