Sunday , April 28 2024

ኦስሎ፥ ኣብ ፈስቲቫል ግብረሰዶማውያን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘካየደ ሰብ መስርሕ ፍርዱ ይቕጽል።

ቤት ፍርዲ ካውንቲ ኦስሎ ዳግማይ ዓቢ መስርሕ ፍርዲ ግብረሽበራ ክካየደሉ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝረአ ክሲ ናይቲ ወዲ 12 ዓመት እናሃለወ ናብ ኖርወይ ዝመጸ ኣኽራሪ ኢራናዊ ስደተኛ እዩ። ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ኣብ ሰነ 2022 ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ጽምብል ፕራይድ ግብረሰዶማውያን ተኹሲ ብምኽፋት ክልተ ሰባት ኣብ ልዕሊ ምቕታል፡ ትሽዓተ ድማ ኣቑሲሉ እዩ። ብዘይካዚ ብተግባራቱ ኣማኢት ካልኦት ስንባደ ከም ዝሓደሮም እዚ ድማ ኣኽበርቲ ሕጊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኢሎም ንክሲ ከም ዘቕረብዎ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዙርያ 44 ዝዕድሜኡ ተኸሳሲ ዛኒያር ማታፑር ሕቶታት ምልዓሎም ኣይተረፈን። ንሱ ንፖሊስ ይዂን ኣኽበርቲ ሕጚ ዝኾነ ሕቶ ንምምላስ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ፡ ኣብ እዋን ፍርዱ እውን ምስክርነት ምሃብ ምእባዩ ንብዙሓት ኣገሪሙ’ሎ። ኣብዚ ሰሙን ግና ኣብ ቤት ፍርዲ ተረኺቡኳ እንተነበረ፡ ጒጅለ ዳያኑ ቦታኦም ኣንክሕዙ ካብ መንበሩ ኣይተላዕለን ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ነዊሕ ክሲ ዓው ኢሉ ምስ ተነበበ’ውን፡ ነቲ ዳኛ ኮፍ ኢሉ ከም ዝጸንሕ ንምንጋር ስቕታኡ ኣይሰበረን። ማታፑር ጸኒሑ፡ ፍርዱ ኣብ እዋን በዓል ሮሞዳን ምህላዉ ብምልዓል ከማርር ተሰሚዑ እዩ ። በዓላት ኣይሁድን ክርስትያንን እንተላይ ቀዳመ ሰንበትን ፋሲካን ብ “ዕረፍቲ” ይበዓል ምዃኑ ብምልዓል ኣድልዎ ከም እተገብረሉ ተዛሪቡ። ዳኛ ኤሪክ ኣስ “ዋላ’ኳ ሮሞዳን እንተኾነ ነዚ ክንፍጽሞ ኢና” ክብል መልሲ ሂቡ’ሎ። ብድምር 269 ሰባት ግዳያት ኣካላውን ስነኣእምሮኣዊን በሰላ ከም ዝበጽሖም ድማ ተገሊጹ ። ኩሎም ንሓደ ሰብ ብውሕዱ 350,000 ክሮና ፋይናንሳዊ ካሕሳ ክወሃቦም ብቑዓት እዮም ዝብል ምጒት እውን ቀሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com