Saturday , April 27 2024

ኣብ ቅትለት ዕዳጋ ማልሞ ዝተሳተፉ ተኸሰስቲ ተፈሪዶም

Credit: Johan Nilsson/TT

ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ማልም፥ ሎሚ ዓርቢ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ኣብ ሳመር 2022 ዝተፈጸመ ህይወት ዝቐዘፈ ተኹሲ ብዝተተሓሓዘ ንተኸሳሲ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ። ነዚ ቅትለት ምልዕዓልን ሓገዝን ጌሩ ብዝብል ካልእ ተኸሳሲ ን 10 ዓመት ተፈሪዱ’ሎ። ክልቲኦም ተኸሰስቲ ነቲ ገበናት ኣይወዓልናዮን ክብሉ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ሂቦም እዮም። ኣቐድም ኣቢሉ 16 ዝዕድሜኡ ኮተቴ ነቲ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ዝተፈጸመ ተኹሲ ውዒልዎ እዩ ብዝብል ተፈሪድዎ ነይሩ እዩ። ብምኽንያት እቲ ተዂሲ 31 ዝዕድሜኡ መራሒ ጉጅለ ጕጅለ ሞይቱ ክመውት እንከሎ፥ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት መገዲ ድማ ብኸቢድ ምቚሳላ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com