Saturday , April 27 2024

ብሰንኪ ኣድማ ወደባት ፊንላንድ ይለምሳ

(AP Photo/David Goldman, file)

ኣብ ፊንላንድ ንኽልተ ሰሙን ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ኣድማ፡ ኣብ ወደባትን ባቡርን እታ ሃገር ጽዕነት ትራፊክ ደው ክብል ኣብ ልዕሊ ምግባር፥ ኣብ ሎጂስቲክስ ዓቢ ምዝባዕ ምስዓቡ ተገሊጹ። ነዳዲ ሓዊሱ ሕጽረት ካልኦት ሃለኽቲ ከስዕብ ከምዝኽእል እው ይገለጽ ኣሎ። ብመንገዲ “ማሕበር ኦፕሬተራት ወደባት” ኣቢሉ ን ኣስራሒ ዝውክል ጁሃ ሙትሩ፡ ኣብ ወደባት ዘሎ ድሕረት ንምፍታሕ ሰሙናት ክወስድ ከምዝኽእል፡  መብዛሕትኡ ጽዕነት ትራፊክ ደው ክብል ከምዝኽእልን የጠንቅቕ። እዚ ንመጓዓዝያ ጽዕነት ወደብ፡ መጓዓዝያ ኣቑሑ ባቡርን ከበድቲ ኢንዱስትሪን ዝጸሉ ማዕበል ኣድማ፡ ኣካል ናይቲ ካብ 11 መጋቢት ክሳብ 24 መጋቢት ኣብ ትሕቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ (AKT) ሰራሕተኛታት ወደብን ካልኦት ምስ ወደብ ዝተኣሳሰሩ ጉጅለታት ሰራሕተኛታትን ሓዊሱ ዝካየድ ሰፊሕ ክትዕ እዩ። ዋላ እኳ ርኡይ ደውታ እንተሃለ፡ወ ኩሉ ምንቅስቓስ ጽዕነት ኣይተቋረጸን፤፡ ሰራሕተኛታት ወደብ ዘየድልዮ ጽዕነት ብመካይን ኣቢሉ ኣብ ጃላቡ ናብ ኢስቶንያን ሽወደንን ይቕጽል ኣሎ። ሙትሩ ብተወሳኺ፡ ከም መድሃኒት፡ ቀለብ እንስሳታትን ምቕራብ ጸዓትን ዝኣመሰሉ ወሰንቲ መትንታት፡ ዋላ’ኳ ኣድማ እንተሃለወ ገና ክቕጽሉ ምዃኖም የጉልሕ። እቲ ኣድማ ዘስዕቦ ጽልዋ ብፍላይ ኣብቲ ቀንዲ ዓሚል ናይተን ወደባት ዝኾነ ኢንዱስትሪ ኣግራብ ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ፡ ምዕጻውን ምስኣን ምህርቲን ከስዕብ ይኽእል እዩ። ኢንዱስትሪታት ሓጺንን ኬሚካልን እውን ካብቶም ምዝባዕ ዘጋጥሞም ዓበይቲ ትካላት እዮም። ድሩት ናይ ምኽዛን ዓቕሚ ስለዘለወን፡ ገለ ፋብሪካታት ብፍላይ ድማ እተን ናይ ገዛእ ርእሰን መኽዘን ዘይብለን፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምፍራይ ከቋርጻ ይኽእላ እየን። ሙትሩ፡ 96% ንግድ ወጻኢ ፊንላንድ ብተለምዶ ብወደባታ ከም ዝሓልፍን፡ እቲ ኣድማ ድማ ርኡይ ዕንቅፋታት ክፈጥር ትጽቢት ከም ዝግበርን ይሕብር። እቲ ዝተኣወጀ ኣድማታት ሰሙን ቅድሚ ፋሲካ ክዛዘም ምዃኑን ተሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com