Saturday , April 27 2024

ማልሞ፡ ቅድሚ ውድድር ዩሮቪዥን ምጽራይ ኣናጹ ይካየድ

Credit: Anna Landelius/Sveriges Radio

ኣብ ማልሞ ዝረአ ዘሎ ጸገም ብዝሒ ኣናጹ ንምፍታሕ፥ ብፍላይ ድማ እታ ከተማ ቅድሚ ኣብ ወርሒ ግንቦት ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ከተአንግድ ምስ ምዃና፡ ነታ ከተማ ካብ ኣናጹ ንምጽራይ ሜላታት ማእከላይ መዋእል ይጥቀሙ ምህላዎም ተፈሊጡ። ብዝሒ ኣናጹ ንምንካይ ውዕል ዝተኣተወት ሞና ጋላይኒ፡ ጊሔን ኣኽላባትን ብሓባር ትጥቀም ኣላ። “እቶም ጊሐ ኣብ ጉድጓድ ይኣትዉ እሞ እቶም ኣኽላባት ድማ እቶም ኣናጹ በቲ ካልእ ሸነኽ ምስ ወጹ ይሕዝዎም” ክትብል ኣብታ ከተማ ንዝርከብ ጨንፈር ሬድዮ ሽወደን ቻነል ፒ4 ማልሞሁስ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com