Sunday , April 28 2024

ሆላንዳዊ መራሒ ጸረ እስልምና ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን ዝገበሮ ጻዕሪ ገዲፉዎ።

The Kurdish self-government camp Roj for suspected IS members in northeastern Syria (AP Photo/Maya Alleruzzo)

ብጸረ እስልምናዊ መርገጺኡ ዝፍለጥ ሆላንዳዊ ህዝባዊ መራሒ ጌርት ዊልደርስ፡ ዋላ’ኳ ሰልፉ ኣብ ምርጫ 2023 ኣንጸባራቒ ዓወት እንተመዝገበት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን ዝገበሮ ጻዕሪ ከም ዘይደፍኣሉ ገሊጹ። “ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ዝኽእል ኩሎም ኣብቲ ጥምረት ዘለዉ ውድባት ክድግፍዎ እንተኾይኖም ጥራይ እዩ። ከምኡ ድድማ የሎን ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ’ሎ። ሰልፉ ሰልፊ ሓርነት (PVV) ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሐ ድምጺ እኳ እንተረኸበት መላፍንቲ ንምቛም ግን ደገፍ ካልኦት ውድባት ኣይረኸበትን። ሓድሽ ቅርጻ መንግስቲ ክዳሎ ዘሎ ተኽእሎታት ንምፍታሽ ምስ ካልኦት ሰለስተ ውድባት ዘሎ ዘተ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ብሰሉስ ዝተዛዘመ ዳሕረዋይ ዙርያ ዝርርብ ዝመርሕ ዘሎ ተደራዳሪ፡ ጸብጻቡ ሎሚ ሓሙስ ንባይቶ ዕላዊ ክገብር እዩ። ዊልደርስ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዝለጠፎ ዝጸሓፎ የማናዊ ካቢነ ሚኒስተራት ከም ዝደሊ፥ ኣብ ሃገሩ ኸኣ ሕቶ ዕቚባን ኢምግሬሽንን ክተርር ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። ሆላንዳዊ ብቐዳምነት ንሆላንዳውያን ትዂን። ፍቕሪ ሃገረይን መረጽተይን ካብ ናይ ገዛእ ርእሰይ መርገጺ ዝዓቢን ኣገዳስንዩ ኢሉ’ሎ። 60 ዝዕድሜኡ ዊልደርስ፡ ምስ ማእከላይ የማናዊ ሰልፍታት ሓረስቶት ቪቪዲ፡ ሓድሽ ማሕበራዊ ውዕል (ኤንኤስሲ) ን ቢቢቢን ንኣዋርሕ ብምልዛብ፡ ልፍንቲ መንግስቲ ንምቛም ክጽዕር ጸኒሑዩ። መራሕቲ እቶም ሰለስተ ሰልፍታት ኣብዚ ሰሙን ንቕድሚት ክስጉሙ ፍቓደኛታት ዝኾኑሉ እንኮ መንገዲ ኣርባዕቲኦም መራሕቲ ሰልፍታት ኣብቲ መንግስቲ ተራ ከይጻወቱ እንተተሰማሚዖም ጥራይ ምዃኑ ምግላጾም ፥ ሆላንድ ህዝባዊ ፈነወ NOS ሓቢሩ። ንቦታ ቀዳማይ ሚኒስተር መን ክትክእ እዩ ዝምልከት ንጹር ኣይኮነን። ኣብዚ ጉዳይ ሎሚ ሓሙስ ባይቶኣዊ ክትዕ ክካየድ ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com