Sunday , May 5 2024

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 13 ለካቲት 2024

Read More »

ኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ጀማል ኤል-ሓጅ ካብቲ ሰልፊ ወጺኡ

ተኣማንነት መራሒት ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ማግዳሌና ኣንደርሰን ብምስኣኑ ኣብ ፓርላማ ዝነበሮ መንበር ክገድፍ ዝተሓተተ ኣባል እቲ ሰልፊ ጀማል ኤል-ሓጅ፡ ካብቲ ሰልፊ ብዕሊ ምስንባቱ ተፈሊጡ። ይዂንምበር ከም ነጻ ኣባል ባይቶ ኣብ ፓርላማ ክጸንሕ እዩ። ኤል-ሓጅ ንሓደ ዓቃባዊ ግብጻዊ ኢማም ዕቚባ ንኽረክብ ጸቕጢ ከሕድር ፈቲኑ ተባሂሉ ኣብ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራቡ ኣብቲ ሰልፊ ዝጸንሖ ተኣማንነት ምጥፍኡ እዩ ዝግለጽ። መራሒት እቲ ሰልፊ …

Read More »

ክሪስተርሶን፡ ንኣሌክሳንደር ስታብ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ኣሌክሳንደር ስቱብ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቱ ሰዲዱ። ኣብቲ ብቕድሚ ትማል ሰንበት ዝተኻየደ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ፊንላንድ ስቱብ ኣብ ልዕሊ መወዳድርቱ ኣባል ሓምለዋይ ሰልፊ ፔካ ሃቪስቶ ምዕዋቱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን ኣለዋ። ክሪስተርሾን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ”ንኣሌክሳንደር ልባዊ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽተይ ክሰድድ ደስ ይብለኒ፥ ፊንላንድ ናይ ቀረባ ዓርክናን መሻርኽትናን እያ። ምትሕብባርና …

Read More »

ኣብ ማያዊ መናፈሻ ሊሰበርግ ባርዕ ሓዊ ይለዓል

ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ማእከላይ ዮተቦሪ ኣብዚ ሓጋይ ክኽፈት ተወጢኑ ዝነበረ ሓድሽ መስሕብ “መናፈሻ ማይ” ዋተርፓርክ ሊሰበርግ ዘጋጠመ ባርዕ ንምግታእ ይጽዕሩ ኣለዉ። ኣብቲ ቦታ ዓቢ ናይ ምድሓን ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ። በዚ ድማ ኩሉ ተቐማጣይ እቲ ከባቢ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ክጸንሕ፥ መስኮት ማዕጾን መዝሓሊን ከኣ ንግዜኡ ክዓጽዉ ዝምዕድ ኣገዳሲ ህዝባዊ መተሓሳሰቢ ቪኤምኤ ወጺኡ ኣሎ። እቲ ባርዕ ንግሆ ከምዝተላዕለ እዩ ዝንገር ዘሎ። ብመሰረት …

Read More »

ሳፖ፡ “ሓያሎ ውዲት መጥቃዕትታት ኢራን ኣፍሺልና”

ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ሳፖ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ክትፍጽሞ ዝሓሰበት ሓያሎ ዝተፈላለየ መጥቃዕትታት ደው ከምዘበለ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢራ። ዝሓለፈ ሰሉስ ኣገልግሎት ሬድዮ ሽወደን ኣብ 2021 ክልተ ኣባላት ስለያ ኢራን ንቕትለት ሽወደናውያን ኣይሁድ መደብ ኣውጺኦም ተባሂሎም ከምዝተጠርጠሩ ገሊጻ ኔራ። ብዘይካዚ ኣንጻር ሽወደን ዘቕንዑ ካልኦት ውዲታት ምፍሻሎም እታ ሬድዮ ን ሳፖ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። “እዞም ባእታታት ኣብ ሽወደን ኣብ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 12 ለካቲት 2024

Read More »

ዝለስለሰ ናይ ቅድሚት ኣካላት ዘለወን መካይን ጽዕነት ህይወት ከድሕና ይኽእላ እየን ተባሂሉ።

ናይ ቅድሚት ኣካል ማካይን ጽዕነት ልስልስ ዝበለን ዝነውሐን ዝኸውን ብምባል ሓደ ቀዳማይ ሞዴል ኣብምድላው ከም ዝርከብ ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ቻልመርስ ገሊጹ። በዘን ክሳብ ሕጂ ዘለዋ ስርሓት ተራ መካን ምስ ናይ ጽዕነት ክጋጨዋ ከለዋ፡ እታ ተራ መኪና መብዛሕትኡ ግዜ ዝበኣስ ዕንወት ይወርዳ ጥራይ ዘይኮነ፥ ሞት ዘስዕብ እውን ና ምዃን ዕድሉ ዝለዓለ እዩ ድማ ቀታሊ ውጽኢት የስዕብ። መካይን ጽዕነት …

Read More »

እማመ “ድሕነት ዞባታት” ንሽግር ሽወደን ቦታ ዘቐይር እምበር ብመሰረቱ ዝፈትሕ ኣይኮነን ተባሂሉ

መንግስቲ ን “ዞባታት ድሕነት” ኣመልኪቱ ዘቕረቦ እማመ ዝሓላፈ ሓሙስ ካብ ዝቐርብ ንደሓር ብዙሕ ነቐፌታታት የአንግድ ኣሎ። ገለ ካብቶም ቀንዲ ኣብዚ እማመ ዝቐንዑ ስክፍታታት ዓሌታዊ ኣፈላላይን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ ዘሎ ዘይምትእምማንን እዮም። ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ፋርስታ ንመንእሰያት ካብ ገበን ንምክልኻል ዝሰርሕ ጌር ስታክሰት፥ እዘን ዞባታት ንገበን ኣብ ክንዲ ዝከላኸላ ብዋጋ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘለዎም ኣረኣእያ ናብ ካልእ …

Read More »

ማርታ ስቴነቪ ብፍቓዳ ካብ ስልጣና ተኣልያ

ተሓጋጋዚት መራሒት ሓምለዋይ ሰልፊ ማርታ ስቴነቪ ብፍቓዳ ካብ ስልጣና ወሪዳ። ካብ 18 ​​ጥሪ ጀሚሩ ኣትሒዛ ብሕማም ዕረፍቲ ወሲዳ ዝጸንሐት ስቴነቪ፡ ሎሚ ምስ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት እያ ነዚ ሓድሽ ክስተት ኣዊጃ ዘላ። “እቲ ስራሕ ብዝበለጸ ክሰርሖ እኽእል እየ ዝብል እምነት ስለዝነበረኒ ደፊአሉ ኔረ፡ ሕጂ ግን ከምኡ ዝብል እምነት የብለይን” ክትብል” ትብል ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃበቶ ቃለመሕትት ገሊጻ’ላ።

Read More »

ጠፈርተኛ ማርከስ ዋንድት ናብ መሬት ምምላስ ይጅምር

ን ዓሰርተ ሾብዓተ መዓልታት ኣብ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሽወደናዊ ጠፈርተኛ ማርከስ ዋንድት ሎሚ ድሒሩ ናብ መሬት ናይ ምምላስ ጉዕዞኡ ክጅምር እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ህዋ ሽወደን፡ ዋንድት ካብ ISS ሰዓት 3፡05 ድሕሪ ቀትሪ ክብገስ ምዃኑን፡ ጽባሕ ዓርቢ ድማ ብኣቆጻጽራ ሽወደን ኣስታት ሰዓት 2.30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ወሰን ፍሎሪዳ ኣብ ባሕሪ ክዓልብ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እቲ ጒዕዞ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com