Sunday , May 19 2024

ኖርወጃውያን ማናቱ ኣብ ሜሎዲፌስቲቫለን ንምዕዋት ይጽዕሩ

ኖርወጃውያን ማናቱ ደረፍቲ ማርከስን ማርቲኑስን ጽባሕ ቀዳም ኣብ ዝኻየደ ውድድር ፍጻመ ዩሮቪዥን ሽወደን ካብ ዝኣተዉ ፍቱዋት ተወዳደርቲ ምዃኖም ሕሩያት ዝምልምል መደብ ቲቪ ሜሎዲፌስቲቫል ገሊጹ’ሎ። እዞም ማናቱ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ንሎሪን ብምስዓብ ዝተዓወቱ ኮይኖም፡ ንሽወደን ወኪሎም ኣብ ማልሞ ምስታፎም ክብሪ ከምዝኸውን እዮም ዝዛረቡ። ሓደ ካብ ቀንዲ መወዳድርቶም ካልእ ናይ ክልተ ሰባት ባንድ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቻርት ስትሪሚንግ ሽወደን …

Read More »

ምሉእ ሓበሬታ መዝገብ ክታበት ሽወደን ዘሪቑ

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ምሉእ ሓበሬታ ሃገራዊ መዝገብ ክታበት ዘሪቑ እዩ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘሎዎ ገሊጹ። እቲ መዝገብ ሓበሬታ ክታበት ኣስታት 7 ሚልዮን ሽወደናውያን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሓበሬታ ክዘርቚ ዝገበረ ኣማኻሪ ኣይቲ እዩ ተባሂሉ ከም ዝጥርጠ ተሓቢሩ’ሎ። በዚ ድማ ሕጊ ምስጢር ጥሒስካ ብዝብል ተኸሲሱ ኣሎ። እቲ ኣማኽሪ ነዚ ገበ ንኣይወዓልኲዎም ክብል ነቲ ክስታት ክሒድዎ’ሎ። እዚ እናኾነ “ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ” …

Read More »

ስነ-ስርዓት ምስቃል ባንዴራ ሽወደን ኣብ መደበር ኔቶ ተፈጺሙ

ምስ ጽንብል ምብዓል ባንዴራ ነቶ ማዕረ ማዕረ ሎሚ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኔቶ ባንዴራ ሽወደን ኣብቲ መደበር ውድብ ተሰቒላ። ኣብ ሶሌፍተዮ ዝርከቡ ኣባላት መበል I21 ረጅመንት ኣጋር ሰራዊት፥ ሲቪላውያን ከምኡ’ውን ወተሃደራዊያን ወከልቲ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተሳቲፎም እዮም። ኣብ ብራስለስ ድማ ልኡኽ ሽወደን ናብ ኔቶ ኣብ ሰደቓ ውሳነ ሓድሽ መንበር ረኺቡ ከምዘሎ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣክሰል ቨርኖፍ ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

“እንተሓቢርና ሓያላትን ውሑሳትን ኢና”ክሪስተርሾን

ሽወደን፡ ዳርጋ ክልተ ዓመት ድሕሪ ዝወሰደ መስርሕ፡ ሕጂ መበል 32 ኣባል ኔቶ ኮይና ኣላ። ሽወደን ምስ ጎረባብታ ሃገራት ኖርዲክን ባልቲክን ኣብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣብ እትጽንበረሉ ዘላ እዋን፡ ንኣስታት 200 ዓመታት ዝጸንሐ “መትከል ዘይሻራነት” መኸተምታ ተጌሩሉ’ሎ። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ጎደናታት ዮተቦሪ ንዝረኸበቶም ዜጋታት ብዛኦባ እዚ ታሪኻዊ ለውጢ ፖሊሲ እንታይ ዝበለ ርእይቶ ከም ዘለዎም ኣዘራሪባ፡ ሰፊሕ ርእይቶታት ድማ ረኺባ’ላ። ሓደ ካብዞም ተሓተትቲ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት 20240310

Read More »

ሕጹያት ምርጫ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብ መረጽቲ ኣይፍለጡን እዮም

ኣስማት ናይቶም ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሳተፉ ላዕለዎት ሕጹያት ውድባት ሽወደን ብዙሓት መረጽቲ ከምዘይፈልጥዎ ብስም ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ዝተኻየደ ዳህሳስ ኢንዲካተር ኦፒንዮን ኣቃሊዑ። እቶም ዝሓሸ ተፈላጥነት ዘለዎም ድሮ ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ክልተ ፖለቲከኛታት ኮይኖም፡ ንሊበራላውያን ኣብ ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባል ባይቶ ፓርላማ ካሪን ካርልስብሩን ካብ ማእከላይ ሰልፊ ኤማ ዊስነርን እዮም። ክልቲኦም’ውን እንተኾኑ ብመረጽቲ ዝወሓደ እምነት …

Read More »

ሓድሽ ጸብጻብ፥ ን ጽልዋታት ኮቪድ ኣብ ህጻናት ክምልስ ኣይከኣለን ተባሂሉ

“ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን” ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ጥዕና ህጻናት ዘስዕቦ ሳዕቤን ብዝምልከት ዘካይዶ መርመራ፡ መልከፍቲ ኮቪድ ንህጻናትን ስድራቤቶምን ብኸመይ ብቐጥታ ከም ዝጸለዎም ዝድህስስ ኣይኮነን ብዝብል ነቐፌታ የጋጥሞ’ሎ። ኣብ ክንዳኡ “ማሕበር ኮቪድ ሽወደን” ኣብቲ ጸብጻቡ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርትን ካልእ እገዳታትን ንህይወት ህጻናት ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ኣተኲሩ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያትን ህዝባዊ ጥዕናን ጃኮብ ፎርስሜድ ንኣገልግሎት ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

ሽወደን ናብ ኔቶ ተጸንቢራ

ሽወደን ትማሊ ሓሙስ ብዕሊ ኣባል ኔቶ ኮይና፡፡ ሽወደን ብ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ናብቲ ውድብ ንምጽንባር ዘኽእል ባእታታት ናብ መንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምርካቡ’ዩ። ሩስያ ን ዩክሬይን ክትወርር ምኽንያት ዝኾነ ጒዳይ ምስፋሕ ኣባልነት ኔቶ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሽወደን ናብዚ ወተሃደራዊ ኪዳን ብምጽንባራ ነቲ ን200 ዓመታት ዘካየዳ መትከል “ዘይሻራናት” ብዕሊ ከብቅዕ ምግባራ ዘመልክት እዩ። ሕጂ ባንዴራ …

Read More »

March 8

Read More »

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ህጻናት ብጥምየት ይሞቱ

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ህጻናት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናብ ሆስፒታላት ኣልዓውዳን ከማል ዓድዋንን ዘካየዶ ዑደት ድሕሪ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ንፈለማ እዋን ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ውድብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኲነታት ቓዛ ዘሕዝን ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ቓዛ ብሰንኪ ጥሜት 10 ህጻናት ምሟቶም ከቢድ ደረጃ ሕጽረት መግቢ ምህላዉ፡ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com