Monday , April 29 2024

ሓድሽ ጸብጻብ፥ ን ጽልዋታት ኮቪድ ኣብ ህጻናት ክምልስ ኣይከኣለን ተባሂሉ

Credit: Johan Nilsson/TT

“ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን” ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ጥዕና ህጻናት ዘስዕቦ ሳዕቤን ብዝምልከት ዘካይዶ መርመራ፡ መልከፍቲ ኮቪድ ንህጻናትን ስድራቤቶምን ብኸመይ ብቐጥታ ከም ዝጸለዎም ዝድህስስ ኣይኮነን ብዝብል ነቐፌታ የጋጥሞ’ሎ። ኣብ ክንዳኡ “ማሕበር ኮቪድ ሽወደን” ኣብቲ ጸብጻቡ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርትን ካልእ እገዳታትን ንህይወት ህጻናት ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ኣተኲሩ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያትን ህዝባዊ ጥዕናን ጃኮብ ፎርስሜድ ንኣገልግሎት ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰፊሕ መርመራ ንኽካየድ ዝገብር እኹል ምኽንያታት ምህላዉ ብምግላጽ ኣብቲ ጸብጻብ ዘለዎ ቅረታ ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ ብታሪኽ ኣብ ዓበይቲ ሩባታትን ገማግም ባሕርን ሽወደን ዝነብር እንተኾነ ግና ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ምግፋፍ ዓሳ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝጸነተዓሳ ስቱርጅን ናብ ከባቢ ክምለስ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ዩኒቨርሲቲ ዮተቦሪን SLUን ብምትሕብባር ዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክት፡ ነቶም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዝርከቡ እንስሳታት ናብ ሩባ ዮተቦሪ፡ Göta Älv ዳግማይ ንምትእትታው ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ኣብ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ባልቲክን ዕዉት ውጽኢት ምምዝጋቦም ተረጋጊጹ እዩ። ”ሕጂ ሽወደን ተራኣ ኣኺሉ’ሎ” ትብል ኣካያዲት ፕሮጀክት ሊንያ ጃግሩድ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com