Monday , April 29 2024

ምሉእ ሓበሬታ መዝገብ ክታበት ሽወደን ዘሪቑ

vaccination , vaccin

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ምሉእ ሓበሬታ ሃገራዊ መዝገብ ክታበት ዘሪቑ እዩ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘሎዎ ገሊጹ። እቲ መዝገብ ሓበሬታ ክታበት ኣስታት 7 ሚልዮን ሽወደናውያን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሓበሬታ ክዘርቚ ዝገበረ ኣማኻሪ ኣይቲ እዩ ተባሂሉ ከም ዝጥርጠ ተሓቢሩ’ሎ። በዚ ድማ ሕጊ ምስጢር ጥሒስካ ብዝብል ተኸሲሱ ኣሎ። እቲ ኣማኽሪ ነዚ ገበ ንኣይወዓልኲዎም ክብል ነቲ ክስታት ክሒድዎ’ሎ። እዚ እናኾነ “ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ” ግብረሽበራዊ ገበናትን ከቢድ ገበናት ንምፍጻም ውዲት ኣሊሞም ብምባል ንዝጠርጠሮም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ትማሊ ሓሙስ ገሊጹ። ሳፖ፡ ምስ ዝተወደበ ገበን ምትእስሳር ዘለዎም ጎነጻውያን ጥሩፋት እስላማዊያን ኣብ ዝምርምር ስርሒት፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሓያሎ ህንጻታት ተፍቲሽ ምክያዱ ገሊጹ’ሎ። ወሲኹ ድማ ”ኣብቲ ጉዳይ ንነዊሕ እዋን ምርምር ከካይድ” ምጽንሑ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com