Monday , April 29 2024

“እንተሓቢርና ሓያላትን ውሑሳትን ኢና”ክሪስተርሾን

nato, sverige, sweden

ሽወደን፡ ዳርጋ ክልተ ዓመት ድሕሪ ዝወሰደ መስርሕ፡ ሕጂ መበል 32 ኣባል ኔቶ ኮይና ኣላ። ሽወደን ምስ ጎረባብታ ሃገራት ኖርዲክን ባልቲክን ኣብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣብ እትጽንበረሉ ዘላ እዋን፡ ንኣስታት 200 ዓመታት ዝጸንሐ “መትከል ዘይሻራነት” መኸተምታ ተጌሩሉ’ሎ። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ጎደናታት ዮተቦሪ ንዝረኸበቶም ዜጋታት ብዛኦባ እዚ ታሪኻዊ ለውጢ ፖሊሲ እንታይ ዝበለ ርእይቶ ከም ዘለዎም ኣዘራሪባ፡ ሰፊሕ ርእይቶታት ድማ ረኺባ’ላ። ሓደ ካብዞም ተሓተትቲ “ኣብ መንጎ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ከቢድ ውድድር ኣጽዋር ኣብ ዝካየደሉ ግዜ ኢና ንነብር ዘሎና፥ እዚ ሕማቕን ኣስጋኢን እዩ። ርግእ ክንብል ከድልየና እዩ” ኢሉ። ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ድማ “ሽወደን ናብ ኔቶ ምጽንባራ ንድሕነታ የደንፍዖ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። እንተኾነ ግና ናብ ዘየድሊ ህልኽ ዘእቱ ከይከውን እሰግእ እየ” ክብል መሊሱ’ሎ። ብዘይካ እዚኦም ካልእ ተቐማጣይ ዮተበሪ “ኣመሪካ ኲሉ ዝገብርዎ ብረብሓ ሃገሮም እምበር ንኻልኦት ኣብ ግምት ዘእቱ ኣይኮነን፡ ስለዚ ጥንቅቕ ምባል ከድልየና እዩ” ኢሉ። እዚ እናኾነ ሽወደን ዝሓለፈ ሓሙስ ናብ ኔቶ ድሕሪ ምጽንባራ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ካብ ኣመሪካ ዋሽንግተን–ንህዝቢ ብቴሌቪዥን መደረ ኣስሚዑ’ሎ። ሽወደን ንኣባልነት እቲ ውድብ ኣብ ጽቡቕ ምድላው ምህላዋ፡ እንተኾነ ግን ሃገር ንምክልኻል ብዘድሊ መጠን ምዕጣቕ ዝኣመሰሉ ለውጥታት እውን ከምዘለዉ ንሽወደናውያን ኣብሪሁ’ሎ። ብዘይካዚ “ድሕሪ ናይ ልዕሊ 200 ዓመት ፖሊሲ ዘይሻራነት፡ ኣንፈትና ናብ ማሕበረሰብ ሓባርዊ ምክልኻል ምዕራባውያን ወሲድናዮ ኣለና፡ እንተሓቢርና ድማ ዝያዳ ሓያላትን ውሑሳትን ኢና” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com