Wednesday , May 1 2024
Credit: Geert Vanden Wijngaert/AP

ስነ-ስርዓት ምስቃል ባንዴራ ሽወደን ኣብ መደበር ኔቶ ተፈጺሙ

ምስ ጽንብል ምብዓል ባንዴራ ነቶ ማዕረ ማዕረ ሎሚ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኔቶ ባንዴራ ሽወደን ኣብቲ መደበር ውድብ ተሰቒላ። ኣብ ሶሌፍተዮ ዝርከቡ ኣባላት መበል I21 ረጅመንት ኣጋር ሰራዊት፥ ሲቪላውያን ከምኡ’ውን ወተሃደራዊያን ወከልቲ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተሳቲፎም እዮም። ኣብ ብራስለስ ድማ ልኡኽ ሽወደን ናብ ኔቶ ኣብ ሰደቓ ውሳነ ሓድሽ መንበር ረኺቡ ከምዘሎ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣክሰል ቨርኖፍ ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝመጽእ ሰነ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሽወደን ክመርጹ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። እዚ ናይ ምርጫ ቅጥዕታት ናብ ኩሎም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ብኢሜይል ተላኢኹ ኣሎ። እዚ ምርጫ ቅድሚ 10 ግንቦት ክቐርቡ ኣለዎም።

”እዞም ቅጥዕታት ሰሙን ክመጹ እዮም” ይብል ኣብ በዓል መዚ ምርጫ ሽወደን መራሒ ጋንታ ሄንሪክ ፍራንዞን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com