Saturday , May 18 2024

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል፡ እዚ ብርግጽ ንህይወትካ ይቕይሮ ዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ተሸለምቲ ኖቤል ናብ ስቶክሆልም ኣትዮም፡፡ ተዓወቲ ​​ሽልማት ስነ-ቁጠባ፡ ኬሚስትሪን ፊዚክስን ትማሊ ሓሙስ ናብ ሮያል ኣካዳሚ ሳይንስ ሽወደን ዑደት ኣካይዶም ኣለዉ። ሬድዮ ሽወደን ምስ መሳርሕቶም ተመራመርቲ ሉዊስ ብሩስን ኣሌክሰይ የኪሞቭን ብምዃን ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ኬሚስትሪ ዝተዓወቱ ሙንጊ ባወንዲ ኣብ ምርካብን ምምዕባልን ”ኳንተም ዶት” ብዝገበርዎ ዝተፈላለየ ኣበርክቶ ኣመልኪታ ኣዘራሪባቶም ኣላ። ሙንጂ ባወንዲ ከም እተዓወተ ዝሕብር ጻውዒት ምስ በጽሖ …

Read More »

መንግስትን ሰልፊ ደሞክራትናን ጽልዋታት ኢሚግሬሽን ብጥንቃቐ ክምርምሩ ይጠልቡ

መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ስደተኛታት ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ዘምጽእዎ ቁጠባዊ ሳዕቤናት መርመራ ክጅመር ከም ዝደልዩ ተሓቢሩ። ጸሓፊ ሰልፊ ደሞክራትና ማትያስ ቢክስትሮም ዮሃንሰን “ፖለቲካ ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብ ባይታ ብዘለዉ ሓቅታት ዝተሃንጸ ክኸውን ይግብኦ እዩ” ክብል እዚ ዕማም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ሃገራዊ ትካል ቁጠባዊ ምርምር፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ቁጠባ እንታይ ጽልዋ ከምዘሕደሩ ንምፍታሽ ዕማም ፍሉይ ክወሃቦ እዩ። ስደተኛታት ኣብ …

Read More »

ጀርመን፡ ኣመልከትቲ ዜግነት እስራኤል ናይ ህላወ መሰል ከም ዘለዋ ክእውጁ ክሕተቱ እዮም

መንግስቲ ጀርመን፡ ኣመልከቲ ዜግነት እስራኤል ናይ ህላወ መሰል ከም ዘለዋ ብዕሊ ክእውጁ ክትጠልብ እያ። ምብራቓዊት ጀርመን ግዝኣት ሳክሶኒ-ኣንሃልት፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ብተወላድነት ወይ ባህልን ቋንቋን አርመን ብምልማድ ኣቢሎም ዜግነት ዝሓቱ ሰባት እስራኤል “ከም ሃገር ናይ ምህላው መሰል ከም ዘለዋ” ብጽሑፍ ቃል ክኣትዉ ከምዘለዎም ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሳክሶኒ ኣንሃልት፡ ኣመልከትቲ ዜግነት ነዚ እንተዘይገይሮም፡ ሕቶኦም ተቐባልነት ከም ዘይህልዎ ገሊጹ’ሎ። ካብቲ ኣብ …

Read More »

ሳፖ–“ኩነታት ጸጥታ እናጋደደ ይመጽእ ኣሎ”

ኩነታት ጸጥታ ሽወደን ኣብ ቀውዒ እናገደደ ምምጽኡ ተገሊጹ። ኣገልግሎት ስለያ ሳፖ፡ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሕብረተሰብ ክተፋነን ይገብሮ ከምዘሎ ይገልጽ። ይኹን እምበር ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ካብ ሓሙሽተ ነጥቢ ኣብ ደረጃ ራብዓይ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

Read More »

ዝኣረገ መንገዲ ባቡር ንብዙሕ ምድንጓያት ምኽንያት ይኸውን

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ክቕየሩ ዝግብኦም ዝነበረ ገለ ኣቕሑ ባቡር ኣብ ግዜኡ ዘድሊ ኣቓልቦን ምቕያርን ስለ ዘይተገርሎም ንብዙሕ ምድንጓያት ባቡር ምኽንያት ይኾኑ ኣለዉ ተባሂሉ። ኣብ ሽወደን ልዕሊ 80 ክቕየራ ዝግብአን ስዊቻት ባቡር ከምዘለዋ ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከም ዝርከባ ብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ መርመራ የመልክት። እቶም ዝበዝሐ ምድንጓያት ዘስዕቡ ስዊች ኣብ ዮተቦሪ ዝርከቡ እዮም፡፡ ይኹን …

Read More »

ኣብ ዮትላንድ ክብረወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ ጫቚት ወርቃዊ ንስሪ ተራእዩ

ኣብዚ ዓመት ኣብ ደሴት ዮትላንድ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ክብረወሰን ዝሓዘ ጫቚት ወርቃዊ ንስሪ ተራእዩ። በዚ ድማ እታ ደሴት ድሮ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ኣዕዋፍ ብጻዕቂ ዝነብሩለን ቦታታት ኮይና ኣላ። እዚ ምፍራይ ናብ ሓደጋ ዓቐን ዘይብሉ ብዝሒ ከይክሰት ስግኣት ፈጢሩ’ሎ። ተመራማሪ ስነ ህይወት ዮሃን ማንሶን ድሮ ኣብዚ ዓመት 51 ጫጩት ምርኣዩ እዚ ድማ ካብቲ ወትሩ ኣዝዩ ዝዛይድ ኣሃዝ ምዃኑ ይገልጽ።

Read More »

“ኣብ መንጎ ሽወደንን ኣሜሪካን እተበጽሐ ስምምዕ ምክልኻል ከም ፕላን B ክረአ ኣይግባእ” ሓደ ክኢላ

ኣብ መንጎ ሽወደንን ኣመሪካን ዝተኸተመ ሓድሽ ስምምዕ ምትሕግጋዝ ምክልኻል ወይ ዲሲኤ፡ ሽወደን ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ንኔቶ ብስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ኣገዳሲት ‘መሻርኽቲ’ ምዃና ዘረጋግጽ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ላዕለዋይ መምህር ጃኮብ ዌስትበርግ እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ስምምዕ ከም ፕላን ቢ (B)፡ ወይ ድማ ኣብ ክንዲ ኣባልነት ኔቶ ካልኣይ ዝበለጸ ምርጫ ተጌሩ ክረአ የብሉን ይብል። እንታይ ደኣ፡ ኣካል ናይቲ …

Read More »

ሕብረት ኤውሮጳ ንመሰል ዜጋታት ንምሕላው ኣብ ዓለም ፈላማይ ሕጊ ብዛዕባ AI ክወጽእ ይደሊ

ሕብረት ኤውሮጳ ብፍላይ ከም ቻትጂፒቲ ዝኣመሰለ ጀነሬቲቭ ኤኣይ ብኸመይ ከም ዝከታተል ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣጸጋሚ ድርድር ስዒቡ፡ ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝቆጻጸር ስፍሕ ዝበለ ሕግታት ዝምልከት ስምምዕ ክሃርም ይጽዕር ኣሎ። ብራስለስ ግን እንታይ እያ ትደሊ? ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኩለመዳያዊ ሕጊ AI ንምጽዳቕ ይቀዳደም ኣሎ፡ እቲ ጉዳይ ዝሓለፈ ዓመት ቻትጂፒቲ ቦት ናብ መድረኽ ምስ ፈንጀረ፡ ምዕባለታት ኤኣይ ኣጉሊሑ፡ ዝያዳ ህጹጽነት ድሕሪ …

Read More »

ኣድማ ዝገብሩ መካኒካት ቴስላ ስራሕ ከይስእኑ ይሰግኡ

ክልተ ኣድማ ዝገበሩ መካኒካት ቴስላ ምስ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእል ይመስሎም ይብሉ። እቶም ኣድማ ዝገበሩ፡ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ፡ ውልቃዊ ኣቑሑት ካብ ስራሕ ቦታኦም ከውጽኡ ተሓቲቶም፡ እቶም መካኒካት ድማ ስርሖም ክስእኑ ከምዝኽእሉ ይጽበዩ ኣለዉ። ብሰሉስ እቲ ዝዓበየ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዴንማርክ 3F ናይ ምትሕግጋዝ ኣድማ ስጉምቲ ምልክታ ሂቡ።

Read More »

ሽወደናውያን ተማሃሮ ኣብ መጽናዕቲ ትምህርቲ ዓለም ብታሪኽ ሕማቕ ውጽኢት ይረኽቡ

ሽወደናውያን ተማሃሮ ኣብ ሒሳብን ምርዳእ ንባብን ዘለዎም ክእለት ብርቱዕ ቁልቁል ከም ዝወሰደ ዳሕረዋይ መጽናዕቲ ፒሳ ይሕብር። ካልኦት ሓያሎ ሃገራት’ውን ኣብ ውጽኢት ፒሳአን ምንቁልቋል ከምዘርኣየን፡ እዚ ድማ ሳዕቤን ለበዳ ኮቪድ-19 ከምዝኾነ ይግመት። “እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውጽኢት እቲ ዝኸፍአ ምንቁልቋል’ዩ፡ እዚ ማለት እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ገለ ዓይነት ግዳማዊ ስንባደ’ዩ” ይብል ላዕለዋይ ተንታኒ ናይቲ ብስኮልቨርከት ዝፍለጥ ሃገራዊ ትካል …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com