Saturday , April 27 2024

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል፡ እዚ ብርግጽ ንህይወትካ ይቕይሮ ዩ።

Christine Olsson/TT

ናይ ሎሚ ዓመት ተሸለምቲ ኖቤል ናብ ስቶክሆልም ኣትዮም፡፡ ተዓወቲ ​​ሽልማት ስነ-ቁጠባ፡ ኬሚስትሪን ፊዚክስን ትማሊ ሓሙስ ናብ ሮያል ኣካዳሚ ሳይንስ ሽወደን ዑደት ኣካይዶም ኣለዉ። ሬድዮ ሽወደን ምስ መሳርሕቶም ተመራመርቲ ሉዊስ ብሩስን ኣሌክሰይ የኪሞቭን ብምዃን ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ኬሚስትሪ ዝተዓወቱ ሙንጊ ባወንዲ ኣብ ምርካብን ምምዕባልን ”ኳንተም ዶት” ብዝገበርዎ ዝተፈላለየ ኣበርክቶ ኣመልኪታ ኣዘራሪባቶም ኣላ። ሙንጂ ባወንዲ ከም እተዓወተ ዝሕብር ጻውዒት ምስ በጽሖ ከም ዝሰንበደን ከም ዝተደናገረን ይዛረብ ግና እቲ ድምጺ ጸዋዒ ”ኣዝዩ ሽወደናዊ ይመስል ብምንባሩ” ብዛዕባ ሓቂነቱ ምፍላጡ ገሊጹ። ንሱ “እዚ ሽልማት ሳየንስ ዘለዎ ክብሪ ዝግለጸሉ
ብምዃኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ክብል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com