Sunday , April 28 2024

ጀርመን፡ ኣመልከትቲ ዜግነት እስራኤል ናይ ህላወ መሰል ከም ዘለዋ ክእውጁ ክሕተቱ እዮም

መንግስቲ ጀርመን፡ ኣመልከቲ ዜግነት እስራኤል ናይ ህላወ መሰል ከም ዘለዋ ብዕሊ ክእውጁ ክትጠልብ እያ። ምብራቓዊት ጀርመን ግዝኣት ሳክሶኒ-ኣንሃልት፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ብተወላድነት ወይ ባህልን ቋንቋን አርመን ብምልማድ ኣቢሎም ዜግነት ዝሓቱ ሰባት እስራኤል “ከም ሃገር ናይ ምህላው መሰል ከም ዘለዋ” ብጽሑፍ ቃል ክኣትዉ ከምዘለዎም ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሳክሶኒ ኣንሃልት፡ ኣመልከትቲ ዜግነት ነዚ እንተዘይገይሮም፡ ሕቶኦም ተቐባልነት ከም ዘይህልዎ ገሊጹ’ሎ። ካብቲ ኣብ ስልጣን ናይ ዝርከብ ዓቃባውያን ክርስትያን ዲሞክራትስ (CDU) ዝኾነት ታማራ ዚሻንግ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ዜግነት ኣብ ዝለኣኸቶ ጽሑፍ፡ ኣመልከትቲ ዜግነት  እስራኤል ናይ ህላወ መሰል ከምዘለልዋን ኣንጻር ህላወ ሃገረ እስራኤል ዝቐንዐ ዝኾነ ይኹን ጻዕሪ ከም ዝኹንኑን ብጽሑፍ ከረጋግጹ ከምዘለዎም ገሊጻ። ኣብ መስርሕ ምቕባል ባህልን ቋንቋን ጀርመን ኣመልካቲ ጸረ-ሴማዊ ኣተሓሳስባ ከይህልዎ ብሰብመዚ ኢሚግሬሽን ኣቓልቦ ክወሃቦ ከምዘለዎ ዚስቻንግ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com