Sunday , April 28 2024

“ኣብ መንጎ ሽወደንን ኣሜሪካን እተበጽሐ ስምምዕ ምክልኻል ከም ፕላን B ክረአ ኣይግባእ” ሓደ ክኢላ

(AP Photo/Matt Dunham, Pool) LMD116

ኣብ መንጎ ሽወደንን ኣመሪካን ዝተኸተመ ሓድሽ ስምምዕ ምትሕግጋዝ ምክልኻል ወይ ዲሲኤ፡ ሽወደን ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ንኔቶ ብስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ኣገዳሲት ‘መሻርኽቲ’ ምዃና ዘረጋግጽ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ላዕለዋይ መምህር ጃኮብ ዌስትበርግ እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ስምምዕ ከም ፕላን ቢ (B)፡ ወይ ድማ ኣብ ክንዲ ኣባልነት ኔቶ ካልኣይ ዝበለጸ ምርጫ ተጌሩ ክረአ የብሉን ይብል። እንታይ ደኣ፡ ኣካል ናይቲ ሽወደን ንሙሉእ ኣባልነት ናይቲ ኪዳን እትገብሮ ዘላ ምድላው ተጌሩ ክውሰድ ይግባእ ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com