Friday , April 26 2024

ሂትለር ኣይሁዳዊት ቈልዓ ሓቚፉ ዝተሳእሎ ስእሊ ንጨረታ ወሪዱ ብ11 ሽሕን 520ን ዶላር ተሸይጡ

እቲ ጨረታ ዝተኻየደሉ ትካል ከም ዝሕብሮ ሂትለርን እታ “ጓል’ቲ መራሒ” ዝብል ሳጓ ጠቢቕዋ ዝነበረ ቈልዓን ኣብ 1933 ብወዝቢ ኣብ ኣፍደገ ገዛ ሂትለር እዮም ተራኺቦም።

ኒናን ኣዲኣን ከም ሰበን ምስቲ ዕለተ ልደት ሂትለር ከኽብር ኣብ ኣፍደገ ገዛ ሂትለር ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ሂትለር ዕለተ ልደቱ ምስ ዕለተ ልደት እታ ቘልዓ ኣብ ሓደ መዓልቲ (ማለት 20 ሚያዝያ) ከም ዝውዕል ምስ ፈለጠ ሽዑ ንሽዑ ነታ ቘልዓ ፈተዋ።

ብድሕሪኡ በቲ እሙን ሰኣሊኡ ምስታ ቈልዓ ተሳእለ። ኣብ ዝባን ሓደ ካብቶም ናይ ሽዑ ኣሳእል ብኢድ ሂትለር ዝተጻሕፈ “ክብርቲ ሮዛ ኒና፡ ኣዶልፍ ሂትለር፡ ሙኒኽ 16 ሰነ 1933” ዝብል ጽሑፍ ይርከብ።

እታ ቈልዓ ኣይሁዳዊት እኳ እንተነበረት እቲ ንኣይሁዳውያን ብምጭፍጫፍ ዝፍለጥ መራሒ ናዚ ግን ካብ ምፍታዋ ኣይተቘጠበን። እኳ ደኣ ኣይሁዳዊት ምዃና ኣቐዲሙ ይፈልጥ ከም ዝነበረ እዮም መጽናዕትታት ዘመልክቱ።

ንመበቈላ ግዲ ከይሃበ ምስኣ ጥቡቕ ዝምድና ምምስራቱ ግን ኣብ እዋኑ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ እዩ ተባሂሉ ይግመት ነይሩ። ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሰልፊ ናዚ ዝነበረ ማርቲን ቦርማን “ጽሩይ” ጀርመናዊ ደም ከም ዘይብላ ምስ ፈለጠ ንሳን ኣዲኣን ተንከስ ኢለን ናብ መንበሪ ሂትለር ገጸን ከይመጻ ከልኪልወን።

ብድሕሪኡ ርክብ ሂትለርን ኒናን ደብዳበ ብምጽሕሓፍ ክሳብ 1938 ቀጺሉ እኳ እንተነበረ እቲ በዓልስልጣን ነቲ ናይ ጽሑፍ ርክብ እውን ከም ዝቋረጽ ገበረ። እቲ ርክብ ክሳብ’ቲ ጠቕሊሉ ዝተቛረጸሉ ግዜ እታ ቈልዓ ናብ ሂትለርን ተሓጋጋዚኡ ዝነበረ ዊልሀልም ብሩክነርን ዝጸሓፈቶም ደብዳበታት 17 ኮይኖም ኣብዚ እዋን ኣብ ፌደራላዊ በተ-መዘክር ጀርመን ተዓቂቦም ይርከቡ።

ሮዛ ኒና ኣብ መበል 17 ዓመታ ብ5 ጥቅምቲ 1949 ብሕማም ፖልዮ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ። እቲ ምስ ሂትለር ዝተሳእለቶ ስእሊ ኣመጻጽኣኡ ብዘይፍለጥ መገዲ ናብ ኣሜሪካ መጺኡ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ድማ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሜሪላንድ (ኣሜሪካ) ብጨረታ ተሸይጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com