Saturday , April 27 2024

ሃከር ፖሊስ መጭበርበሪ ንምሓግዝ ሓጊዙ

Credit: Fredrik Sandberg/TT, Thomas Winje Øijord/TT

ሓደ ኣብ ምፍጋር ሜሞሪ ኮምፕዩተር ዝዋፈር–ሃከር– ፖሊስ ልዕሊ ሽሕ ዝኾኑ መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ሰባት ብመጭበርበርቲ ባንክታት ኣቢሉ ብምትላል ዝተጠርጠረ መርበብ ንኸቃልዕ ከምዝሓገዘ መርማሪ ፕሮግራም SVT Uppdrag Gränskning ጸብጺባ። እቲ ሃከር ኣብ ኮምፒዩተራት ናይቲ መርበብ ስሒቡ ብምክትታል ነቲ ሓበሬታ ውሑስ ከምዝገበረ፥ እዚ ድማ ንፖሊስ ከም ዘረከቦ ተገሊጹ’ሎ። ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሮም ብኸቢድ ምትላል ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርከቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ራብዓይ ጥርጡር ካብ ፖርቱጋል ኣሕሊፉ ክወሃብ እዩ ዝብል ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። ኩሎም ተኸሰስቲ ነቲ ገበን ኣይወዓልናዮን ክብሉ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ሂቦም ኣለዉ።እዚ እናኾነ ኣድላይነት ኣባላት ጸጥታ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ቁጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓለውቲ ጸጥታ ካብቲ ሞያ ይወጹ ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ብመሰረት ስታቲስቲክስ ፖሊስ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ሓሙሽተ ሓለውቲ ጸጥታ እቲ ሓደ ካብ ስራሕ ወጺኡ’ሎ። ሎሚ ብዙሓት ኩባንያታት ጸጥታ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ስለዘለወን፡ ሓለውቲ ጸጥታ ዝተወሰኑ ዕማማት ፖሊስ ክወስዱ ምስዚ ድማ እቲ ጠለብ ክዓቢ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com